በረኸት ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሊቀ ሰማእት የካፍለና! 18 ጥሪ ዝርወተ ዓጽሙ ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ፣
እቶም ብ ኣምሳል ስላሴ ተፈጢሮም ከም ሰብ ዝቖሙ ግዙኣት ናይ ሳይጣናዊ ሓይሊ ን ቕዱስ ጊዮርጊስ ንኽቐትልዎ ኩሉ ፈቲኖም ምስተመነዎም ከም ኣሳርሓ ጸብሒ መቲሮም ኣብ ድስቲ ጠቢሶሞ! ኣለኹ ምስ በሎም ከኣ ከም ሓርጭ ጥሒኖም ኣብ እምባ ዘርየሞ! ሕጅስ ሞይቱ ወዲእና ኢና ክብሉ እንክለዉ ዝተዘርወ ዓጽመ ስጋኡ ተኣኪቡ ኣለኹ ኣነ ጊዮርጊስ እየ በሎም!! ንምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፈ ስንክሳር 18 ጥሪ ንመልከት፣ እግዚኣብሔር እንተፈቒዱ ኸኣ ምሉእ ንኸነቕርቦ ግዜ ንኽንረክብ ብጸሎትኩም ሓግዙና።