ኤፌሶን 4፡9-10 "ዓረገ" ማለት ናብ መዓሙቕ ምድሪ ወሪዱ ከምዝነበረ ማለት እንተዘይኮይኑ እንታይ ኬስምዕ ይኽእል፧ 10 እቲ ናብ መዓሙቕ ዝወረደ ኸአ ንኹሉ ብህላዌ ምእንቲ ኺመልእ ልዕሊ ኩሉ ሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ።
1ይ ጴጥ 3፡19-20 በዚ መንፈስ እዚውን ከይዱ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ነፍሳት ድኅነት ሰበኸሎም። 20 እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ እግዚኣብሔር ብትዕግስቲ እናተጸበዮም ከሎ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም።
1ይ ጴጥ 4፡6 እቶም ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ሽሕ እኳ ከም ሰብ ብሥጋ እንተ ተፈርዱ ብመንፈስ ከም ኣምልኽ ኮይኖም ብሕይወት ኺነብሩ ወንጌል ተሰብከሎም።
ብሰላም ናብዚ ዘብጸሓና ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን!