The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


Monthly Archives: MAY 2018


 

    ቅዱስ መንፈስ ዝመርሖ ን ድንግል ማርያም ይውድስ!    ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ኸኣ በንጻሩ!!

ሉቃስ 1- ፴፱ - በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ፵ - ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ፵፩ - ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ ፵፪ - ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ ኢዩ። ፵፫ - ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ? ፵፬ - እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። ፵፭ - እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም ኢዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ ኢያ።

 

ደብረሲና



መዓልቲ 50 (ጰራቅሊጦስ) 

Posted by admin on 05/27/2018 | Viewed 1548 times
 
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  
 ዕርገት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ: ካብ ሓሙስ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ናይ መስቀል ሞት ኣሕሊፉ ኣብ ሳልስቱ ምስተንስአ ኣብ መበል ኣርብዓ ምዓልቱ ኽኣ ዓረገ! ኣብ ሳልስቲ ተንስአ ኣብ ኣርብዓ ዓረገ ክብሃል እንከሎ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ እዩ! ብዙሓት ወሩያት ሰባት ወላውን ሃይማኖት ሰሪቶም ዝብሃሉ ሞይቶም ብዝተቐበርዎ እዮም ተሪፎም! ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣምላኽ ስለዝኾነ ተቐቢሩ ኣይተረፈን! ኣብ መበል ኣርበዓ መዓልቱ ኽኣ እናራይዎ ዓረገ ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም እናተመልከቱ ኽኣ መልኣኽቲ መጺኦም ግብረ ሐዋርያት ፩  ፲፩ - ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም? እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ ኢዩ፡ በልዎም። እቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ወላ ጸላኢ እዚኣ ተባሂላ ኣይተፈጸመትን ኢሉ ክውጽኣላ ዘይክኣሎ ሓቀኛ ቃል: እቲ ግዚኡ ዝኣኸለ ተፈጺሙ እቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ ኽኣ ምልክታቱ እናሓበረ ይቐርብ ኣሎ! መፈጸምታ ኽኣ ምጽኣት እዩ! እቲ ዝመጽእ ኽኣ እቲ ፈራዲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ከምቲ እቶም መልኣኸቲ ዝበልዎ ( እዚ ኻባኻትኩም ናብ ...

full article here >>
ዕርገት 

Posted by admin on 05/17/2018 | Viewed 638 times
 
A A A
RSS-FEED

[Home] 1-2 of 2