The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com


   መዝ 46:5-7  "ዐርገ እግዚኣብሔር በይባቤ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን።    6 ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ ዘምሩ ለንጉሥነ ዘምሩ። 7 እስመ ንጉሥ እግዚአብሔር ለኩሉ ምድር ዘምሩ ልብወ። "
 
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  
 ዕርገት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ: ካብ ሓሙስ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ናይ መስቀል ሞት ኣሕሊፉ ኣብ ሳልስቱ ምስተንስአ ኣብ መበል ኣርብዓ ምዓልቱ ኽኣ ዓረገ! ኣብ ሳልስቲ ተንስአ ኣብ ኣርብዓ ዓረገ ክብሃል እንከሎ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ እዩ! ብዙሓት ወሩያት ሰባት ወላውን ሃይማኖት ሰሪቶም ዝብሃሉ ሞይቶም ብዝተቐበርዎ እዮም ተሪፎም! ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣምላኽ ስለዝኾነ ተቐቢሩ ኣይተረፈን! ኣብ መበል ኣርበዓ መዓልቱ ኽኣ እናራይዎ ዓረገ ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም እናተመልከቱ ኽኣ መልኣኽቲ መጺኦም ግብረ ሐዋርያት ፩  ፲፩ - ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም? እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ ኢዩ፡ በልዎም። እቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ወላ ጸላኢ እዚኣ ተባሂላ ኣይተፈጸመትን ኢሉ ክውጽኣላ ዘይክኣሎ ሓቀኛ ቃል: እቲ ግዚኡ ዝኣኸለ ተፈጺሙ እቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ ...

full article here >>
ዕርገት 

Posted by admin on 05/28/2020 | Viewed 1664 times
 

ኤፌሶን 4፡5 ‘‘ ሓደ ጎይታ፡ሓንቲ ጥምቀት፡ ሓንቲ እምነት’’

      በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
         ክርስትያን ናይ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ኣብ ፈተና እዩ! ኩሉ ክርስትያን ከኣ ይፍተን ማለት ኣይኮነን! ገሊኡ ተገልቢጡ ፈታኒ እዩ! ዓቕምና ብዝፈልጦ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልያትን ጠንቅታቱን ንፈልጦ ኢና!! እቲ ኩሉ ኣማንን ዘይኣማንን ተሰኪምዎ ዞሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን 4፡5 ‘‘ ሓደ ጎይታ፡ሓንቲ ጥምቀት፡ ሓንቲ እምነት’’ ይብለና!!

 ክቡራን ምእመናን ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ሃይማኖት ከኣ ሓንቲ እንተኾይና ንምንታይ በዘን መጉልበብ ሃይማኖት ተጎልቢበን ሰብ ካብ እምነት ዘውጽኣ ዘለዋ ድርጅታት ንርበሽን ሃይማኖትና እንኽሕድን፧
ናይ ኩሉ መሰረት እምነት እዩ! ኣብ እምነትካ ማዕረኽንደይ ጽኑዕ ኢኻ፧ ኣብ እምነትካ ዘለካ ኣፍልጦ ክንደይ እዩ፧ ንዘይትፈልጦ ንኽትፈልጥ ን መምሃራን፡ ፈላጣት ትሓትት ዲኻ፧
   እዘን ኩለን ብስም ሃይማኖት ዝንቀሳቐሳ ድርጅታት ኣንጻር ኦርቶዶክስ ዝተዓጥቃ እየን! ኣብዚ ናይ ዘመንና ቴክኖሎጂ (ጥበብ) ተጠቒምካ ዝግበር ዘሎ ኣንጻር ኦርቶዶክስ ጎስጓስ ካብ ኣምላኽ ዝፈሊ፡ ምስ ቅዱሳት ዘባእስ፡ እዩ!!  ንዝመጻኩም ምላሽ ምሃብ መታን ...


full article here >>
 

Posted by admin on 05/22/2020 | Viewed 88 times
 
 

ሓደ(1) ግምቦት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም (ወላዲተ ኣምላክ) ዝተወልደትሉ መዓልቲ እዩ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ንድሕነትና ኣቐዲሙ ዘዳለዋ ኣደ ብ ባሕቲ ግምቦት ተወልደት።

   ምስትውዓል ዝሓትት እዩ! ሰማይ ዝፋነይ መሬት መርገጺ እግረይ ዝበለ ፈጣሪ ጓል 15 ዓመት ኣብ ማሕጸና ክትጸሮ ንዘየስተውዕል ዘይከኣል እዩ! ንዘስተውዕል ግን ናይ ምስትውዓል መንፈስ ስለዝሓድሮ ወላዲተ ኣምላክ ኢሉ ክቕበላ ኣይጽግሞን!!

 እሞ ኩሉኹም ኣመንቲ ብልደታ ን ወላዲተ ኣምላክ፡ ደስ ይበልኩም! ንዓመታ ኸኣ እዚ ዘሎ ጸገም ፈዊሱ ብሰላም የብጽሓና!!                

ሓደ ግምቦት (ልደታ) 

Posted by admin on 05/09/2020 | Viewed 1847 times
 
 

Posted by admin on 05/08/2020 | Viewed 109 times
 

          ቅዱስ ጊዮርጊስ  (23 ሚያዝያ)

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን !!           

  23 ሚያዝያ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ  ነብዕለሉ (ንዝክረሉ) እዩ !! ንምንታይ 23 ሚያዝያ ብፍሉይ ንዝክሮ ፧ ኣብዚ መዓልቲ’ዚ (23ሚያዝያ) ጎይታናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመገዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማእት ዓበይትን ኣገረምትን ትእምርትታት ዝፈጸመሉ መዓልቲ እዩ !! ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ክኣ እቲ ንሰማእታትን ጻድቃናትን ንህቦም ኣኽብሮት ካብ ዜሮ ተበጊስና ዘይኮነስ መጀመርያ ጎይታ ስለ ዘኽበሮም ፡ ከምኡውን ከምቲ ጎይታ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም ዝበለና ፈሪኦም መለለዪ እምነቶምን ጽንዓቶምን ስለዝኾነ እቶም ምስ እግዚኣብሄር ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣቦታትና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ሓንቲ ከየጕደሉ ምሂሮም !! ኣብዚ ግዜና ኽኣ እቶም ስም ክርስትና ሒዞም ናይ ሓሶት ትምህረቲ ዝምህሩ (መናፍቃን) ክብረ ቅዱሳንን ጻድቃናትን ሰማእትን ስኣን ምፍላጥ ንርእሶም ክፍተኑ ንኣመነቲ ኣብዘየድሊ ጥርጣረ ንምውዳቕ ይጋደሉ ኣለዉ ! እቲ እምንተ ዘይጸንሖ ክወድቕ ከሎ  እቲ ንክሉ ክፈልጦ ዘይክኣለ ኣማኒ ኽኣ ይጠራጠር ምጥርጣር ክኣ ምንፍቕና እዩ !! መናፍቕ ካብ ምዃን ንኽትድሕን ክኣ ...


full article here >>
Download PDF 

Posted by admin on 04/30/2020 | Viewed 1878 times
 

[Prev]  1 [2] 3 4 5 6 7 ... 19 [Next]6-10 of 91