Print
ዕርገት
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  
 ዕርገት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ: ካብ ሓሙስ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ናይ መስቀል ሞት ኣሕሊፉ ኣብ ሳልስቱ ምስተንስአ ኣብ መበል ኣርብዓ ምዓልቱ ኽኣ ዓረገ! ኣብ ሳልስቲ ተንስአ ኣብ ኣርብዓ ዓረገ ክብሃል እንከሎ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ እዩ! ብዙሓት ወሩያት ሰባት ወላውን ሃይማኖት ሰሪቶም ዝብሃሉ ሞይቶም ብዝተቐበርዎ እዮም ተሪፎም! ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ኣምላኽ ስለዝኾነ ተቐቢሩ ኣይተረፈን! ኣብ መበል ኣርበዓ መዓልቱ ኽኣ እናራይዎ ዓረገ ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም እናተመልከቱ ኽኣ መልኣኽቲ መጺኦም ግብረ ሐዋርያት ፩  ፲፩ - ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም? እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ ኢዩ፡ በልዎም። እቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ ወላ ጸላኢ እዚኣ ተባሂላ ኣይተፈጸመትን ኢሉ ክውጽኣላ ዘይክኣሎ ሓቀኛ ቃል: እቲ ግዚኡ ዝኣኸለ ተፈጺሙ እቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ ኽኣ ምልክታቱ እናሓበረ ይቐርብ ኣሎ! መፈጸምታ ኽኣ ምጽኣት እዩ! እቲ ዝመጽእ ኽኣ እቲ ፈራዲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ከምቲ እቶም መልኣኸቲ ዝበልዎ ( እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ ኢዩ፡ በልዎም።) ስለዚ ኣማጽእኡ ተነጊሩና ኣሎ! ሃዋርያት ኣብዕጹው ገዛ እንከለዉ ብዕጽዉ ኣትዩ ዮሐንስ  ፲፱ - በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ ኢየሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። ፳ - እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሓጐሱ። ፳፩ - ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ፡ በሎም። ፳፪ - እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ፳፫ - ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ ይተሓዘሎም ኢዩ፡ በሎም።  ዓጽምን ስጋን ዘለዎ ዕጹው ኣይሓልፍን እዩ! መንፈስ ክኣ ኣይርምሰስን እዩ! ን እግዚኣብሔር ግን ዝስኣኖ የልቦን!ቃል ስጋ ኮነ ከምዝብለና በቲ ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋ ከምሰብ ተጓዕዘ ከም ኣምላኽ ክኣ ናብ ሰማይ (ዝፋኑ) ዓረገ!! ሕጂ ኽኣ ኣብዚ ዓለም ብርኽሰት ጨቂያትሉ ዘላ ግዜ መንግስትኻ ትምጻእ እናበልና ንጽውዖ ኣለና! ኣንታይ ሒዝና?  ከልተ መሰረታዊ ነገር ኣሎ! ኣብ ቅኑዕ ሃይማኖት ተተኺልካ ምጽናዕ! ብሂወት ንኽትነብር ሰጋይ ብላዕ ደመይውን ስተ ተባሂሉና ኣሎ! ነዚ ንኸነስተውዕል ዓይነ ልቦናና ዝኸፈተ ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን!! ንቶም ዝኽሓዱን ኣብ ጥርጥር ዝወደቑን ኽኣ ዘስተውዕል ልቢ ይፍጠረሎም!!!   
                                                   ርሑስ በዓለ ዕርገት ይግበረልና!!!
innovaeditor/assets/Arget.JPG
Posted by on | Viewed 839 | | Printout