The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
1ይ ሰሙን ዓብዪ ጾም ( ዘወረደ )
ዘወረደ ቀዳማይ ሰሙን ዓብዪ ጾም፣ ጾመ ኣርብዓ 
 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!  ጎይታናን ኣምላኽናንመድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታናን
ምእንተ ድሕነትናን ካብ ሰማየ ሰማያት ውሪዱ እንትርፎ ሓጥያት ካብ ምውላድ ክሳብ ሞት ተፈቲኑ ኣብ ሳልሳይ ምዓልቱ ተንስአ።
   እቲ ልዕሊ ኹሉን ኩሉ ብእኡ ኮነ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን ዝተብሃለሉ ፈጣሪ ናይ ክበሪ ስፍርኡ ገዲፉ ምውራዱን መከራ ምቕባሉን
እናዘከርና ንጅምሮ ዘሎና ጾም እግዚኣኣብሄር ይቀበለልና! ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ከምዝበለና ንፍቕሪ ዓቢ ቦታ ሂብና ጾምና
ክንጅምር ቤተክርስትያና ትላቦ!!
           ብሰላም ናብ ትንሳኤኡ የብጽሓና!!
 
  ተቀነዩ ለእግዚኣብሔር በፍርሃት: ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ እስመ ለዓለም ምሕረቱ ለትውልደ ትውልድ ጽድቁ: 
ንህነሰ ሕዝቡ ባኡ ቅድሜሁ በተጋንዮ ወውስተ ኣእፃዲሁ በስብሐት እመንዎ እስመ ለ. ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ
ወንትፋቀር በበይናቲነ እስመ ለ. ኣክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ እስመ ሰንበትሰ በእንተሰብ ተፈጥረት እስመ ለ. ምሕረተ
መፍትሐ አሐሊ ለከ እዜምር ወእሌቡ ፍኖቶ ነጹሐ እስመ ለዓለም ምሕረቱ ለትውልደትውልድ ጽድቁ ንህነሰ ሕዝቡ አባግዐ መርዔቱ።

ሰላም :  ይቤ እግዚኣብሔር ኣክብሩ ሰንበትየ ወእቀቡ ቃለ ሰላምየ ትርከቡ ሕይወተ ዘለዓለም።
 
ዘወረደ፡- ቀዳማይ ሰሙን ጾመ ኣርብዓ  ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 3፡16 እግዚኣብሔር ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ንዓልም ከምዘፍቀራ ይሕብረና፡ መግለጺ ፍቕሪ ብዙሕ እዩ! ከም መጠቓለሊ ኸኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቀሩ
ዮሐ13፡34 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ከምኡ ጌርኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ"  ይብለና፡ ዮሃንስ ወንጌላዊ ኣብ 1ይ መልእኽቱ5፡3 ከኣ ን እግዚኣብሔር ምፍቃር ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ፡ ትእዛዛቱ ኸኣ ከቢድ ኣይኮነን" ይብለና ።   ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዙሕ ትእዛዛት ኣሎ! ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ንሓድሕድካ ምፍቓር እዩ እቲ ትእዛዝ!!
   እሞ ንፋቐር ኣለና ዲና፧ ኣብ ቤተክርስትያን እንታይ እዩ ወሪዱ ዘሎ፧ ምእመናን እቶም ኣባጊዐይ ጓስዩ ዝተብሃሉ ንብዝመርሕዎ እዩ ዝምራሕ!  ንሳቶም ግን ኣነ ናይ ኣባ ኣንጠንዮስ ኣነስ"ባ ናይ ኣባ ጴጥሮስ እናበሉ ናይ ክርስቶስ ምዃኖም ዘንጊዖም ሰላም ቤተክርስትያን ይዘርጉ! ገሊኦም ከኣ ካህናት ዲያቆናት ኮይኖም ተቓወምቲ መንግስቲ ስለዝኾኑ ቅዳሴ እናተጨነቑን ገሊኡ እናሰገሩ ከም" ምእንቲ መፍቀሪ ኣምላኽ መራሕ ሃገርና ንልምን ኣለና " ዝብል ብ ምእንተ መፍቀሪ ኣምላኽ ንልምን ኣለና ይብሉ። ብኸምዚ ቀዲስና ይብሉ፡ እቶም ኣይንቕድስን ዝበሉ ግን ይሕሹ፡ መኽንያቱ ነቲ ዝነበረ እናለወጡ ንምእመን መዐንቀፊ ስለዝኾኑ! ግን ሰኣን ኣፍልጦ ይመስል እዩ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ 13 እንተ ተመልኪትና ኩሉ ስልጣናት ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ ዘይቅበሎ ኸኣ ንእግዚኣብሔር እዩ ዘይቅበሎ!! ከምቲ ትእዛዝ ጎይታን ስርዓት ቅዱሳት ኣቦታትናን ክርስትና ፍቕርን ትእዛዝን እንተኾኑ ኩሉ ንልዕሊኡ ብፍቕሪ ተኣዚዙ ከገልግልን ክግልገልን ስለዝግባእ ኣብዚ መግለጺ ፍቕሪ ዝኾነ ጾምና ነብስና መርሚርና ጊጋታትና ኣሪምና ጾምና ክንጅምር እግዚኣብሔር ይሓግዘና።
    ከምዚ ክንብል እንከለና ን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዋ ኣቢያተ ክርስትያናት ዝምልከትእምበር ናይ ሃገር ማለትና ኣይኮነን።
 ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና!!
Posted by on | Viewed 3342 | | Printout Print