The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
6 ጥሪ ግዝረት (ግርዘት)
 
                                                      ግዝረት

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ " ንሕጊ ክፍጽሞም እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኹን” ኢሉና! ግዝረት ከኣ ሕጊ ዘለኣለም ተባሂሉ ዝተውሃበና እዩ፡ ኣብ ሩባ ኢዮርዳኖስ ጎይታ ብዮሃንስ ኣብ ዝተጥምቀሉ ግዜ ዮሃንስ ብኣይዶ ክትጥመቕ ኢኻ ምስበሎ ጎይታና " ኩሉ ጽድቂ ክንገብር ይግብኣና እዩ” ኢልዎ፡ ሕጊ፡ስርዓት ምፍጻም ጽድቂ ምዃኑ ብግልጺ ምሂሩና።

   ኣብ ዘሌዋውያን 12፡1-3 ከም ዝተውሃበና ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብ 29 ታሕሳስ ምስተወለደ ብ 6 ጥሪ ተገዝረ፡ ግዝረቱ ግን ብተኣምር እዩ ተፈጺሙ! ገዛሪ ምስመጽአ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ጎይታ ኢየሱስ "ደመይ ቅድሚ ዓርቢ ኣይፈስስን ኢዩ’ሞ ደም ከየንጠብካዶ ክትገዝረኒ ትኽእል ኢኻ ኢሉ ሓተቶ!! ገዛሪ ሰንቢዱ ክገዝር ዝሓዞ መላጸ ከምጠስሚ መኸኸ! ግዝረት ከኣ ብተኣምር ተፈጸመ!! ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ኢላ ሰመየቶ!!

       ግዝረት ብጥምቀት ተተኪኡ ኢዩ ግዝረት ኣየድልን ዝብሉና ኣለዉ፡ ግዝረት ኣብ ዘፍጥረት 17፡9-14 ተጻሒፉ ከምንረኽቦ ናይ ንኣይ ዘለዓለም ቃልኪዳን እዩ፡ ክርስትያን ከኣ ነቲ ክቡር ቃል ንኸነኽብር ወዲ ኣብዝተወለደሉ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ይግዘር! ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሓኪም ቆጸራ ኣብዝሃበካ ይፍጸም።

   ግዝረት ናይ ኦሪት ቃልኪዳን ኮይኑ ናብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃልኪዳን ጥምቀትን ክቡር ስጋኡን ደሙን ኣብጺሒና፡  ግን ግዝረት ኣየድልን ኢልካ ክስብ ስጋኡን ደሙን ዘይትቕበል እንተኾንካ ምስምንታይ ይቑጸር፧ " ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ !!"


innovaeditor/assets/c3ae3f34fd01440c8f00fbfdf4ddd501_1.jpg
Posted by on | Viewed 108 | | Printout Print