እንቛዕ  ብድሓን  መጻእኩም  ናብ  ናይ  ኤርትራ  ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ  ርእሰ  ኣድባራት  ቤተክርስቲያን  ቅድስቲ  ድንግል  ማርያም  ኦስሎ  ኖርወይ

WELCOME TO ERITREAN ST.MARY COPTIC TEWAHDO ORTHODOX CHURCH OSLO NORWAY. CHURCH SERVICES AND OPENING HRS 06 AM - 14 PM EVERY FRIDAY AND SUNDAY.

ይስሓቕ

ይስሓቕ፡ (ኢሳቕ፡ኢስሓቕ) ምልክት ድሕነት እቲ ምእንተ ደቂ ኣዳም ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ።

  ሳራ፡ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም፡ ንዓመታ ከምዛ ሎሚ ክመጻካ’የ፡ ሳራ ኸኣ ወዲ ክህልዋ እዮ፡ ክብሎ ምስ ሰምዐት ኣብ እርጋነይዶ ክወልድ ይከኣል’ዩ ኢላ ሰሓቐት፡፡ ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ክትጠንሲ ኢኺ ምስበላ ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን እየ በለት፡ ንእዚኣብሔር ዝስኣኖ ስለዘየሎ ንሳራ ሰበይቲ ክትወልደሉ ኣብዘይትኽእለሉ ግዜ፡ ንድንግል ማርያም ብድንግልናኣ፡ ሰብ ክበጽሖ ዘይክእል ዓቕሚ፡ ይስሓቕ ምስተወልደ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ተገዚሩ፡ ኢየሱስ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ብዘይምፍሳስ ደም ተገዚሩ፡ ይስሓቕ ንወላዲኡ ተኣዚዙ ክሳብ መስዋእቲ ንምዃን ተጋዲሙ፡ ኢየሱስ ንወለዱ እናተኣዘዘ ዓበየ ይብለና፡ ክሳብ ቀራንዮ ናይ መስቀል ስቅላት ከኣ ከም ገንሸል ተጓዕዘ፡ ይስሓቕ፡ ኣቡኡ ኣብርሃም ብሓሳቡ ወፍይዎ  ፈጺምዎ፡ እዩ፡፡ እግዚኣብሔር ግን ክሳብ እቲ ካብ ኣብራኽ ይስሓቕ ተወሊዱ ንዓለም ዘድሕና መድሃኔ ዓለም ክርስቶስ ክሳብ ዝመጽእ ብገንሸል ተኪእዎ። (ኣብርሃም ንይስሓቕ ወዱ ክሓርድ ኢዱ ኣልዒሉ እዩ፡ እግዚኣብሔር ግን ብ ሓረግ ዝተኣስረ ድዑል ኣዳልዩ መላኹ ልኢኹ ነቲ ድዑል ክስውእ ገይርዎ።

  ይስሓቕ እግዚኣብሔር ካብ መስዋእቲ ምስ ኣትረፎ ግዚኡ ምስበጽሐ ን ርብቃ ተመርዕዩ ንያዕቆብን ኤሳውን ወለደ፡ ያዕቆብ ንይሁዳን ኣሕዋቱን ወለደ፡ ይሁዳ ንኣራም፡ ኣራም ንኣሚናዳብ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን፡ ነኣሶን ንሰልሞን፡ ሰልሞን ንቦኣዝ፡ ቦኣዝ ንእዮቤድ፡ እዮቤድ ንእሴይ፡ እሴይ ንንጉስ ዳዊት፡ ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን፡ሰሎሞን ንሮብዓም፡ ሮብዓም ንኣብያ፡ ኣብያ ንኣሳ፡ ኣሳ ንእዮሳፍጥ፡ እዮሳፍጥ ንእዮራም፡ እዮራም ንኦዝያ፡ ንእዮኣታም፡ ንኣካዝ፡  ንህዝቅያስ፡ ንምናሴ፡ ንኣሞን፡ ንእዮስያስ፡ ንኢኮንያን፡ ንሰላትኤል፡ ንዘሩባቤል፡ ንኣብዩድ፡ ንኤልያቄም፡ ንኣዛር፡ ንሳዶቅ፡ ንኣኪም፡ ንኤልዩድ፡ ንኣልኣዛር፡ ንኣልኣዛር፡ ንማታን፡ ንያዕቆብ ወለደ፡ ያዕቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዝተባህለ ኢየሱስ ተወልደ።              

  ቅዱስ ኣቦና ይስሓቕ እግዚኣብሔር ነዚ በረኸት ዝሓረዮ እዩ፡ በረኸቱ ምስኩላትና ይኹን፡ ብስሙ ውሉዱ ዝጸውዐ፡ ምጽዋት ዝሃበ፡ ዕሩቓት ዝኸደነ፡ ጥሙያት ዘዐንገለ ን ዓቢ በረኸት ቃል ኣትይሉ እዩ እሞ ተኻፈልቲ በረኸቱ ይግበረልና።

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.