ቅዱሳን ኣቦታት ኣባ መቃርስ ወመቃርዮስ
መቃርስ ወ መቃርዮስ ( 13 መጋቢት ) እግዚኣብሄር ይመስገን ፡ ፈጣሪናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ንኽንድሕን ክንደይ ምልክትን ተኣምራትን ዘይገበረ ! ፈጣሪ
ንምንታይ ከምዝፈጠረና ስለ ዝፈልጥ ክንጠፍእ ኣይሓድገናን’ዩ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን ከነስተውዕል ኣይክኣልናን፡ እቶም ድሕነት ረኺብና ንብል ክርስትያን ክኣ ካብቶም ዘይኣመንቲ ከፊእና!
ምኽንያቱ እቶም ዘይኣምኑ ክፈልጡውን ስለዘይደልዩ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ዝበሎ ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ! ንሕናግን እቶም ተቐቢልናዮ ከነብቅዕ በቲ መገዱ ዘይንጓዓዝ ካብቲ ናቶም
ዝኸፍእ ፍርዲ ይጽበየና ኣሎ። ኣይተነገረናን ከይንብል ተነጊሩና’ዩ፡ ኣይሰማዕኹን ከይንብል ንኸይንሰምዕ አእዛና ስለ ዝዓጸና፡ ማለት ቤተክርስትያን ክንመላለስ ኣይንፈቱን፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ
ከነንብብ ኣይንፈቱን፡ ድምጺ መምህራን ክንሰምዕ ዓቕሊ የብልናን፡ ክንሓትት ኣይንፈቱን፡ ካልእን ነየናይ’ሞ ጠቒስካ ክውዳእ። ጎይታናን መድሓኒናን አብዚ መዓልቲ እዚ (13 መጋቢት) ካብ
ዝገበሮ ትምህርትን ተኣምርን ከምዚ ስዒብና ነንብቦ ይመስል፡ ንምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፈ ስንክሳር 13መጋቢት ንመልከት፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስለቲ ምእንታና ዘፍሰሶ ደሙን ከም ብዝሒ
ምሕረቱን ምስትውዓል ይሃበና ኣሜን!!
DONATIONS
We don’t run the church with only state/commune annual dues. Unfortunately Church need also support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129. If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Church location, Stansevn 6, 0975 Oslo Norway
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway