እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

Screenshot_20230306-174404_Gallery

0 likes

ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)

ዮሐንስ 2፡13-ፍ 13: ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ ፊየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
14: ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዚሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ።
15: ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ።
16: ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም።
17: ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። 18: ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለስሉ። 19: ኢየሱስ ድማ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
20: እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ።
21: ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ።
22: ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስኤ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎ ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23: ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ ኢዮሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ።
24-25: ኢየሱስ ግና ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ኪምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።

 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን!!

ማቴዎስ 21፡12-
12: ኢየሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።
13: ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም።

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ካብ ሕጻንነቱ ስደት ክሳዕ ናይ መስቀል ሞት ተቐቢሉ፡ ዓቕሚ ስለዝስኣነ ግን ኣይኮነን! ቤተመቕደስ ከይዱ መናገዲ ገይረሞ ምስጸንሕዎ ግን ቤተይ ን ኹሉ ቤት ጸሎት እዩ ኢሉ ካብ ገመድ ጮግራፍ ተቲዑ ኣሳጎጎም!!  ኣብዚ ግዜኸ ቤት መቕደስ (ቤተክርስቲያን ) ከመይ ኣሎ፧ ንኹልና ቤት ጸሎት ድዩ፧  ከምዚ ዝርአ ምፍልላያት፡ ወገን፡ ፖለቲክ፡ ትዕቢት መሊኣ እንተ ትጸንሖ እንታይ ምስገበረ፧

ኣነ፡ ንስኻ/ኺ፡ ንስኹም/ኽን ኩልና ንቤት መቕደስ (ቤተክርስትያን) ምስ ኣምላኽ መራኸቢ እንተ ተጠቒምናላ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ክጥምተና እዩ፡ ፈላለይቲ፡ነገድቲ ምስእንኸውን ግን እታ ጩግራፍ ብቤት መቕደስን ክብሪ እግዚኣብሔርን ኣይትምሕርን እያ።

እግዚኣብሔር የዒንቲ ልቦናና ይኽፈተልና!!

 

this post was source by

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)
20220306_072334

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.