እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

20220126_091806
ናብ በዓለ ጥምቀቱ እንቛዕ ብሰላም ኣብጸሓና!!

ርሑስ በዓለ ጥምቀት ይግበረልና!  ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል 30 ዓመቱ ዝተጠመቐ ንዓና ንድሕነትና እምበር፡ እታ ብጥምቀት እንረኽባ ውሉድነት እግዚኣብሔር ንኽቕበል፡ ወይ ዝኣመነን ዝተጠመቐን ክድሕን እዩ ከምዝብለና መጽሓፍ ቅዱስና ንኽድሕን ኣሚኑ ተጠሚቑ ኢልና ንሓስብ እንተኾይና ኣብ መገዲ ጥፍኣት ንጓዓዝ ምህላውና ከነስተውዕል ይግባእ ( ነቶም ዘየስተውዕሉ ማለት እዩ)። ዮሓንስ መጥመቕ ንጎይታ ከጥምቖ እንከሎ ” ንዝኣመኑ ብስምካ የጥምቖም፡ ንዓኽ ግን እንታይ ኢለ ከጥምቐካ እየ፧ ኣነ ብኣኻ ክጥመቕ ይግበኣኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ትጥመቕ በሎ፡ ጎይታ ኸኣ ኩሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግበኣና እዩ! ” ኣንተ ወልዱ ለብሩክ ከሳቴ ብርሃን ተሳሃለነ፡ እናበልካ ኣጥምቐኒ በሎ”

ኣብዚ ግዜ ከምእንርእዮ ክርስቲያን ኢና እናበሉ ውላዶም ክሳብ ፈሊጡ ዝጥመቕ ይጽናሕ ዝብሉ ብዙሓት እዮም ገለ ኸኣ ኣዳራሽ ክስዕ ዝረኽቡ ክዳን ክሳብ ዘስፍዩ ዝሰማምዕም ግዜ ክሳዕ ዝሓርዩ የጸብይዎም፡ እታ ኣማናዊት ጥምቀት ወዲ ብ40 ጓል ብ 80 ዝተሰርዐት ብዘይ ምስትውዓል ይጥሕስዋ፡ ጎይታ ግን ንኣዳም ኣብ 40 መዓልቱ ንሄዋን ኣብ 80 መዓልታ ገነት ከምዘእተዎም ጥምቀት’ውን ውልድነት እግዚኣብሒር እተውህብ ገነት እተእቱ ስለዝኾነ ብ 40 ን ብ 80ን ንጥመቕ፡ ክንጥመቕ ከለና ኸኣ ብ ስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ንጥመቕ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 28፡ 18 -20 ከምዝኣዘዘና ፡-( ማቴዎስ 20፡18 ኢየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
19-20: ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።)

ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ጥምቀት ብምንታይ ክግለጽ ከምዝኽእል ኣይፍለጥን እዩ፡ ነቶም ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ምሂርካ ኣሚኖም ክጥመቑ ግድን እዩ፡ እቲ ብ ኣመንቲ ዝውለድ ግን 40ን 80ን ከሓልፎ ኣይግበኦን እዩ!!

ርሑስ በዓል! ንዓመታ ብሰላም የጽንሓና!!

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.