እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

Screenshot_20211021-190321_Drive

0 likes

ቅዱስ ሚካኤል

መዝሙር  ዳዊት 34፡ 7-8
7: መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።
8: እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣
ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

መልእኽቲ ይሁዳ 1-ፍጻሜ
1: ይሁዳ ባርያ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽዉዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንኢየሱስ ክርስቶስ እተሐለዉን፡
2: ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም።
3: ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።
4: ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።
5: ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ አሎኹ። 6: ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ።
7: ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።
8: ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ አለዉ።
9: ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን።

Judas 1:9
“Overengelen Mikael vågde dog ikke å uttale en spottende dom dengang han trettet med djevelen om Mose legeme, men sa: Herren refse dig!”
Holy Bible
https://play.google.com/store/apps/details?id=norwegian.bible

Jude 1 (KJV)
9: Yet Michael the archangel, when contending with the devil he disputed about the body of Moses, durst not bring against him a railing accusation, but said, The Lord rebuke thee.
10: እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ።
11: ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም።
12: እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦ፡ ማይ ዜብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡
13: ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ።
14-15: ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም።
16: እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ። 17-18: ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱ፡ መላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ።
19: እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።
20: ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፡
21: ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።
22: ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዎም። Jude 1 (ትግ) – ይሁዳ
23: ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።
24: ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ኺሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ኬቝመኩም ዚከአሎ፡
25: ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።

this post was source by

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)
20220306_072334

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.