እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

20220306_072334
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)

    ቅድስት

1ይ ጴጥሮስ 15-16  ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 

ማቴዎስ 6፡16  ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 17-18: ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር  ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 19-21: መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን!! ማቴዎስ 21፡12- 12: ኢየሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 13: ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ካብ ሕጻንነቱ ስደት ክሳዕ ናይ መስቀል ሞት ተቐቢሉ፡ ዓቕሚ ስለዝስኣነ ግን ኣይኮነን! ቤተመቕደስ ከይዱ መናገዲ ገይረሞ ምስጸንሕዎ ግን ቤተይ ን ኹሉ ቤት ጸሎት እዩ ኢሉ ካብ ገመድ ጮግራፍ ተቲዑ ኣሳጎጎም!!  ኣብዚ ግዜኸ ቤት መቕደስ (ቤተክርስቲያን ) ከመይ ኣሎ፧ ንኹልና ቤት ጸሎት ድዩ፧  ከምዚ ዝርአ ምፍልላያት፡ ወገን፡ ፖለቲክ፡ ትዕቢት መሊኣ እንተ ትጸንሖ እንታይ ምስገበረ፧ ኣነ፡ ንስኻ/ኺ፡ ንስኹም/ኽን ኩልና ንቤት መቕደስ (ቤተክርስትያን) ምስ ኣምላኽ መራኸቢ እንተ ተጠቒምናላ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ክጥምተና እዩ፡ ፈላለይቲ፡ነገድቲ ምስእንኸውን ግን እታ ጩግራፍ ብቤት መቕደስን ክብሪ እግዚኣብሔርን ኣይትምሕርን እያ። እግዚኣብሔር የዒንቲ ልቦናና ይኽፈተልና!!

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.