እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

PhotoFrame_202281183426919
በረኸቶም ናይ ኣቡነ ፊልጶስ ( ፋድል፡ ኣንዳዴባሕር) የካፍለና

5 ነሓሰ ዕረፍቱ ለአቡነ ፍሊጶስ ኣንዳዴ ባሕር(ፋድል)

“ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ” ማቴ. 10፡41

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ወለዲ ኣቡነ ፊልጶስ ኣቦኡ ይርድኣነ እግዚእን ኣደኡ መግደላዊት፡ ቅድሚ ንእኡ ምውላዶም፡ ውላድ ስኢኖም ንብዙኅ ዓመታት ብጸሎትን ጾምን ምስ ጸንሑ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ልዑል እግዚአብሔር፡ ንቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ከምዝወልዱ ኣበሠሮም። በዚ ኸኣ ኣብ 9ተ ጥቅምቲ 1319 ዓ.ም. ኣብ ኣንከረ ባርኳ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጐላጉል ከባቢ ኣክሱም ተወልደ። ድኅሪ 40 መዓልቲ ማለት 18 ኅዳር ኸኣ ክብረ ውልድነት ጸጋ ጥምቀት ንኽረክብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። እቶም ካህናት ብጸጋ ዓበይቲ ስለዝነበሩ ከጥምቕዎ ከለዉ፡ እቲ ዕለት’ቲ በዓል ሓዋርያ ፊልጶስ ብምንባሩ ብስሙ ‘ፊልጶስ’ ኢሎም ሰመይዎ፣ ከምኡ’ውን “ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፡ ንብዙኃት ሰባት ከኣ ኣቦ ኪኸውን እዩ፡ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ኪስማዕ እዩ” ብምባል ተነበይሉ።

ኣደኡ መግደላዊት “ከምቲ ሃና ንወዳ ሳሙኤል ከም መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ዝወፈየቶ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ከም መብጽዓይ ንእግዚአብሔር ሂበዮ ኣለኹ” ኢላ ናብ ደብረ ጸራቢ ወሰደቶ እሞ ካብ ኣቡነ በኪሞስ ወዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ 12ተ ዓመት ዕድሚኡ መንኮሰ። ነቶም ኣብዚ ደብሪ ዝነበሩ መነኮሳት ብትግሃት እናኣገልገለ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ይነብር ነበረ። ዓስቢ ትግሃቱን ጻዕሩን ድማ 81 መጻሕፍቲ (መጽሓፍ ቅዱስ) ካብ መምህር ፊደል ቈጺሩ ከይተማህረ ብምልኡ ተገልጸሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ‘ፋድል’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኵሎም ደቂ ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝዓበየ ክሳዕ ዝነኣሰ “ወዲ ፋድል” እናተባህሉ ይጽውዑ ኣለዉ።

ብድኅር’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድረ ኣግዓዚ እናተዘዋወረ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣስተምሃረ። ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዛይደኮሎም ኣብ ትኹል ዝተባህለ ዓዲ ብጽኑዕ ብሕትውና ድኅሪ ምቕማጡ፡ ምስ ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ተራኸበ። ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “እንሆ ኣኅዋት ብሓደ ኪነብሩስ ክንደይ ሠናይን ጥዑምን እዩ” መዝ. 133፡1 ዝበሎ ብፍቕርን ጸሎትን ከም ሓደ ስድራ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ኣብ ሮራ ዝተባህለ ቦታ ሠለስቲኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም፡ ትንቢታዊ ትምኒት ተመነዩ። ኣቡነ ፊልጶስ ድማ ብደቀ ኣንስትዮ ዘይገሃስ ገዳም ገዲሙ፡ ሥርዓተ ማኅበር ኣጽኒዑ ደቁ ግብሪ ጽድቂ ዝሠርሑሉ ገዳም ክወሃቦ ተመነየ። ከም ትምኒቱ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጸውዑ 16 ኣርድእቱ ኣኸቲሉ ናብ ደብረ ቢዘን ኣተወ። ኣስማት ናይ’ዞም ኣርድእቱ መነኮሳት ድማ፦

1. ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ 2. ኣባ ገብረ ኄር 3. ኣባ እንድርያስ 4. ኣብ ታዴዎስ 5. ኣባ ዜና ጴጥሮስ 6. ኣባ ዮሓንስ ከማ 7. ኣባ ኤርምያስ 8. ኣባ ዮሓንስ 9. ኣባ ይስማዕ ጸሎተነ 10. ኣባ ይስሓቅ
11. ኣባ እንጦንስ 12. ኣባ ጳውሎስ 13. ኣባ ተንሥአ ክርስቶስ 14. ኣባ በርተሎሜዎስ 15. ኣባ ኢሳይያስ 16. ኣባ ማትያስ እዮም።

ኣቡነ ፊልጶስ ፋድል ናብዚ ገዳም ኣትዩ፡ ብመስቀል ገይሩ ብኣርባዕተ መኣዝን ምስ ባረኻ፡ ኣጋንንቲ ብልሳን ሰብ “ወይለና፡ ወይለና” በሉ። ብፍላይ እኳ ኣብ ኣራዊት ኃዲሩ ዝነበረ ርኹስ መንፈስ ብልዑል ድምፂ እናእወየ ተመታተረ። “እታ ህደርዋ” እትብሃል ከውሒ ክሳዕ ሎሚ ብምስሊ ዓቢይ ኣራዊት ገበል ዝመስል ዕጣቅ ዘለዋ “እምኒ ቅኑት” እናተባሃለት ትጽዋዕ ኣላ።

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ኣብ 42 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ከባቢ 1361 ዓ.ም. ከም ገዳም ተኺሉ ማኅበር ሓድነት መሥረተ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዘመነ ክርስትና ብዙኃት ክርስቲያናት፡ ብሓድነት ንኺነብሩ ንብረቶምን ሃብቲ ጥሪቶምን ኂዞም ናብ ማኅበር ሓድነት ሓዋርያት ዝጽንበሩ ዝነበሩ (ግብ. 5፡1)፣ ብተመሳሳሊ ድማ ብዙኃት ድኅነት ነፍሲ ዝደለዩ ናብዚ ኣቦና ዘቖሞ ማኅበር ሓድነት እናተጸንበሩ ይምንኵሱ ነበሩ።

ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክሳዕ 900 ዝበጽሑ ናብዚ ማኅበር ተጸንቢሮም መንኵሶም እዮም። ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ናይ መንፈስ ደቆም እናበዝኁ ምስ ከዱ ካብዚ ገዳም ወፃኢ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደብሪ፡ ደሴት፡ ደንጐሎ . . . ተኺሉ እዩ። ‘ጸሎትን ሥራሕን’ ብዝብል መምርሒኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሥርሓት ሕርሻ ተቓኒዑ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ዴዳ፡ ዛላ ዓቢይ፡ ዛላ ኣዋልድ፡ ደሴት፡ ጎቦላሚን፡ ጸላም፡ ብኣብእ፡ ጊንዳዕ፡ . . . ወዘይመስሎ ዘለዉ ንጥፈታት ክሳዕ ሕጂ በዚ ገዳም እዚ ዝግልገሉ ዘለዉ እዮም።

ወትሩ ድማ ንደቁ፡ ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ጾምን ጸሎትን ክተግሁ፡ ብመሠረት ሕጊ ቀኖና ሲኖዶስ ንበዓላት ከኽብሩ ብፍላይ ኣብ በዓላተ እግዝእትነ ማርያም ስማ እናጸውዑን ውዳሴኣ እናደገሙን ክዝክርዋን ከምኡ’ውን ንቀዳመ ሰንበት በቲ መንፈሳዊ መንገዲ ከብዕልወንን ከኽብረውንን ይምዕዶም ነበረ።

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ኣብዚ ገዳም ኮይኑ “ደቀይ ብምኽንያት ጥሜት ኮነ ጽምኢ ወይ’ውን ንኵናት ኣረማውያን ፈሪሖም ኮነ ብዝኾነ ሽግር ካብዚ ደብሪ ከይስደዱ፡ ንምርኮ ኸኣ ኣኅሊፍኻ ኸይትህቦም እልምነካ ኣሎኹ” ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ንዝለመንካዮ ዘይከልእ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ ዝለመንካዮን ዘይለመንካዮን ይኹነልኻ” ዝብል ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ከምኡ’ውን በቲ “ዝመሃርን ዝምህርን ኣይትኽልኣኒ” ዝበሎ መሠረት ከም ኣባ ይስሓቅ ዝመርሕዎ ጉባኤ ትምህርቲ ፈለገ ሕይወት ተመሥሪቱ ከም በዓል ኣቡነ ዮሓንስ ለጓሜ ደመና ከምኡ’ውን ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዝርከብዎም እናተማሃሩ ብዙኃት ፈርዮም እዮም።

ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ድኅሪ 9ተ ወርኂ ተሓኒፁ ምስ ተፈጸመ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ተቐሪጽሉ፡ ኣቡነ ፊልጶስ 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ ባሪኹ ቀደሰ። ቤት መጻሕፍቲ ተተኺሉ’ውን ብዙኃት መጻሕፍተ ብራና ከም 81 (ሰማንያ ወአሐዱ)፡ መጽሓፈ ጸዳል፡ መዝሙረ ዳዊት ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ዘይርከብ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዝሥርሓሉ ዝነበረ መጽሓፍ ሕርግርግ ባሕረ ሓሳብ፡ ኣብዚ ገዳም ክሳዕ ሕጂ ተዓቂቦም ይርከቡ። ኣብዚ ገዳም ዘሎ ከም ፍሉይ ዝጥቀስ መጽሓፍ፡ መጽሓፈ ዝኽሪ እዩ። ‘መጽሓፈ ዝኽሪ’፦ እዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዓሪፎም ኣብዚ ገዳም ዝተቐብሩ መነኮሳትን ኣርድእትን ኣስማቶምን ዕለተ ዕረፍቶምን ዝምዝገበሉ መጽሓፍ እዩ። በብዕለቱ ኣብ ጸሎተ ዕጣንን ፡ ስብሓታትን ጸሎተ ሰዓታትን ይዝከሩ።

ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ንክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዙኅ ተቓሊሱ እዩ። ነቲ ጳጳስን ንጉሥን ‘ቀዳም ክትከበር የብላን’ ኢሎም ዝኣዘዝዎ፡ ተቓዊሙ ‘ቀዳም ከም ሰንበት ክትከብር ይግባእ’ ኢሉ ከም ኣቦሓጐኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለዝመስከረ፡ ብትእዛዝ ጳጳስን ንጉሥን ብቈርበት ተገኒዙ ኣብ ቀላይ ጠሓለ። ኣቡነ ፊልጶስ ግና ነቲ ባሕሪ ከም ሣዕሪ ኣቃጸሎ። ጳጳስን ንጉሥን በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ተረቲዖም ቀዳም ከም ሰንበት ክትክበር ኣወጁ። ብድኅር’ዚ ዓወት’ዚ፡ ኣቡነ ፊልጶስ ወንጌል እናሰበኸ ናብ ገዳሙ ተመልሰ።

ገዳም ደብረ ቢዘን

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.