እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

20220403_211253

0 likes

ኤማሁስ

ሉቃስ 24፡13 – 45
13: እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ ኢየሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14: ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15: ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16: ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17: ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18: እቲ ሓደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19: ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ ኢየሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20: ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21: ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22: ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና።  23: ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24: ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25: ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ 26: ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27: ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።  28: ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። 29: ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። 30: ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም። 31: ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32: ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ።  33: በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።
34: ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35: እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም። 36: እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37: ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38: ንሱ ኸኣ በሎም፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39: ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ።
40: እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
41: ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኩም፡ በሎም። 42: ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ። 43: ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ። 44: ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45: ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥
46: ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡
47: ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 49: እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።

ክቡራት ምእመን ኣብ ኤማሁስ ዝተገብረ ዓቢ ትምህርቲ ነስየውዕል! ጎይታና ካብ ቃል ሓሊፉ ስጋ ለቢሱ ክሳብ ናይ መስቀል ሞት ተበጂዩልና፡ ኣብ መገዲ ኤማሁስ ዝተገብረ ዝርርብ ሃዋርያት ኣመንቲ፡ ሓለይቲ፡ ፈላጣት ምዃኖም ይገልጹ፡ ግን ነቲ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ማዕረ ማዕሪኦም ዝጓዓዝ ጎይታ ከስተውዕልዎ ኣይከኣሉን! እንጌራ ባሪኹ ምስሃቦም ግን ኣዒንቶም ተኸፍታ ኣስተውዓሉ ኸኣ!! ጎይታ ኸኣ ተሰወሮም ይብለና፡ ን ኢዮርሳሌም ከኣ ተመለሱ፡ ሰብ ዝተሰወሮ እንተርእዩ ከስተውዕል ከምዘለዎ ምሂረሙና፡ ንሕናኸ  ከመይ ኣለና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ጎይታ እንተ ዘይረኣኽዎ ዝብል ኣይተሰምዐን፡ ምናልብባት ገለ ተጠራጠርቲ! ስጋይ ብልዑ፡ ደመይ’ውን ስተዩ ከምዝበለና ቃሉ ተቐቢልና ስጋኡ ምስበላዕና ደሙ’ውን ምስ ሰተና ኣዒንትና ይኽፈትዶ፡ ናበዪና ንኸይድ ፧ ኦርቶዶክስ ብኽብሪ ንገዝኡ ይኸይድ፡ ኣብ ገዝኡ ዓሪፉ ይውዕል! ”  ማቴዎስ 11፡
28: ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
29-30: ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም ” ከምዝበለና።   እንተ ኣብህጻናት ዝርአ ግን ኣይግድን! ብዙሓት ወለዲ ህጻናት ምስተቐበሉ ከመይ ከዝተሓዙ ኣይፈልጡን እዮም! ቆልዑ ይቕበሉ ኣለዉ ኢልካ ተደፋፊእኻ ኣቐቢልካ ምስተቐበለ ኣብዘለዎ ዘይትፈልጦ እንተኾይንካ ብሸለልትናአት ኣብ ሽግር ወዲቕካ ከምዘለኻ ምፍላጥ ከድሊ እዩ!! ወለዶም ክቕበሉ ስለዘይረኣይዎም ክቕበሉ እንከለዉ ቤተክርስትያን ብብኽያት ዝርብሹ ህጻናት ብዙሓት እዮም፡ መኽንያቱ ወላዲ ኽቕበል ስለዘይርእይዎ ጽቡቕ እንተዝኸውን ቅድም ንዕኦም ዘይቅበሉ ዝብሉ እዮም ዝመስሉ!!

this post was source by

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)
20220306_072334

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.