እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

f5aaf59cd886aa2d9047f7149571e8cc
ዕርገት

ማቴዎስ  28፡18፡20
18: ኢየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
19-20: ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

ማርቆስ 16፡19-20
19: ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።
20: ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።

ሉቃስ 24፡50-53
50: ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51: ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
52: ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
53: ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።

    ክብሪ ንጎይታናን ፈጣሪናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ይኹን ( ለቱ ስብሐት ) !!  እቲ ዝዓረገ ናብ ክብሪ ቦትኡ ዝተመልሰ ጎይታ ዳግም ብኽብሪ  ክምለስ’ዩ!! እሞ መጀመርያ ብሓሳርን ውርደትን ካብ መጸ፡ ኣብቲ ብኽብረትን ንፍርድን ዝመጻሉ ደኣ ከመይ ኮይና ኢና ክንጸንሖ፧ ኣባጊዕ ብየማኑ ኣጣል ብጸጋሙ ኣብዘቑመሉ ግዜ ብየማኑ ንኸቑመና ካብ ሕጂ እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ንበል!!  

 ግብሪ ሃዋ 1፡10-11
10: ንሱ ኺዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡
11: ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም።   

እዞም ክልተ ሰብኡት ተባሂሎም ዘለዉ መላእኽቲ  ክምለስ ምዃኑ ይነግሩ ኣለዉ! ምስክር ናይ ሰብ ንቕበል ካብ ኮና ምስክር መላእክቲ ሓቅን ዘየጠራጥርን እዩ! ኩሉ ንድሕነትና እዩ ናይ ስጋ ወላዲ እኳ ውላዱ ንኸዕቢ ናብጽቡቕ ትምኒቱ ኣብዝብጻሕ ከብጽሖ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ዘይብል! ከመይ ክዓቢ መሖጎሲኡ ዲዩ ክኸውን መጓሃዪኡ ከይፍርለጠ ይጽዕር፡ ጎይታና ግን ስለ ዘፍቅረናን ድኻምና ስለዝፈልጥን ካብ ሓጥያትኩም ተመለሱ! ሰናይ ግበሩ! ኣምላኽ ምዃነይ ፍለጡ እንተዘይ ኮይኑ ኩቢድ ትእዛዝ ኣይኣዘዘናን! ” ኣንቱም ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ፡ ኣነ ጾረይ ፎኪስ፡ ትእዛዘይ’ውን ከቢድ ኣይኮነን ኢዩ ዝብለና። ዝበዝሕ ሰብ ዝኸብዶ ግን ደሙን ሰጋኡን ምቕባል እዩ፡ ብሓቂ ከቢድ እዩ፡ ሓሚምካ ንኽትፍወስ ዘለካ ተለቓቒሕካን ሓግዙኒ ኢልካ ከምዝኽፈል ነዚ ሂወት ዘለኣለም ዝህብ ስጋን ደምን ጎይታ ደኣ እንታይ ክኽፈሎ ምስተገበአ፧ ብዋጋ ዘይትመን ስለዝኾነ ብነጻ ሂቡና!! ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ንዕኡ ይኹን!! ብሂወት ክትነብሩ እንተደሊኹም ደምኩም፡ ስጋኹም ፡ ሃቡኒ እንተዝብለና ደኣ ክንደይ ምስከበደና፧  ሰብ ዘስተውዕል ልቦና ተዓዲልዎ እዩ፡ ገለ ድኹማት ግን ከነስተውዕሎ ኣይከኣልናን! ደሙን ሰጋኡን ፈሪህና ክንቅበል ካብዘይከኣልና፡ እቲ ግብሪ ሰይጣን ዝኾነ ቅትለት ፡ ጥልመት ፡ ሓሶት ፡ ዝሙት  ዝኣመሰሉን ስለምንታይ ብድፍረት ንፍጽሞ ፧ ግዜ ተበላሽዩ እዩ! እቲ ዘንብብ የስተውዕል ከምዝብለና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ ኣሎ! ከምቲ ኣብ ወንጌሉ ዝብለና፡ – ማቴዎስ 24 ፡ 14: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ”።  ግዜ ንመርምሮ ኣበይ በጺዝሕና ኣለና፡ ብድራማን ናይ ሰብ ፈጠራታትን ብልጭልጭን ነብስና፡ ልብና ኣይንሰለብ! ሓንቲ ድራማ ወይ ፊልም ካብ ምርኣይ ሓደ ምዕራፍ ቃል ኣምላኽ ምንባብ ይበልጽ!! እግዚኣብሔር ” ቅረቡኒ ክቐርበኩም ” እዩ ዝብለና!! እንተረሓቕናዮ’ውን ይርሕቀና እምበር ኣይሓድገናን እዩ! ዘይንምለስ እንተኾይና ግን እታ ናይ መጨረሻ ምሕርቃም ኣስናን ተርክበና እሞ ለሚንካ ዘይትስመዓሉ ከየርክበና ግዜ እንከለና ንመለስ!! ካብ ሃይማኖት ወጺኦም ወይ ርሒቖም ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዘቕቲ ጥሒሎም ካብ ዘለዉ እምነት ዘለዎም ዝመስሉ ንጠንቀቕ! ንሳቶም መስሓቲ እዮም ከምዝብለና ብፍሪኦም ተለልዮም ኢኻ! 

 ዳዊት 47 ፡ 5 ፡- ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ።
ወእግዚእነ በቃለ ቀርን።
6: ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።
ዘምሩ ለንጉሥነ ዘምሩ። 

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይትኣኮት ስሙ ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበ ኩሉ ሰዐት።

 

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.