እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

7a3f40ebaefbe882f47138cde5604b73
ደብረ ምጥማቅ ( 21 ግምቦት )

 መዝሙር ዳዊት 45 ፡16 – 17

16 ፡ ህየንተ አበዊኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ።
ወትሠይምዮሙ መላእክተ ለኵሉ ምድር።
17: ወይዘከሩ ስመኪ በኵሉ ትውልደ ትውልድ።
በእንተዝ ይገንዩ ለከ አሕዛብ እግዚኦ፡
ለዓለም ወለዓለመ ዓለም።

በረኸታ ናይ ድንግል ማርያም ምስ ኩልና ኣፍቀርታ ይኹን! ደብረ ምጥማቕ ካብ ስደት ኣብ ዝምለስሉ ግዜ ዘዕረፉሉን ጎይታ ንድንግል ኣብዚ ብስምኪ ዝጽዋዕ ዓቢ መሕደሪ ቅዱሳን ክኸውን እዩ ኢሉ ዘበሰራን ቦታ ኾይኑ፡ ከም ቃሉ ድሕሪ ዕረፍታን ዕርገታን ብኣካል ትግለጸሎምን ትባርኸሎምን ሕቶታቶም ትምልሰሎምን ቅዱስ ቦታ እዩ!!

 ከምዚ ኣብ ላዕሊ ብግእዝ ተጻሒፉ ዘሎ ብትግርኛ ዘይትርጉሙ ሒዙ ተጻሒፉ ኣሎ! ብግእዝ ብጓል ኣንስተይቲ ተጻሒፉ ፡ ትግርኛ ምስተቐየረ ብወዲ ተባዕታይ ኮይኑ! ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ምቕያር ካብ በረኸት እግዚኣብሒር ከምዘርሕቕ ንጹር እዩ! እሞ እቲ ዘንብብ’ውን የስተውዕል!!  ” ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወለዱልኪ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኸኣ መሳፍንቲ ጌርኪ ክትሰምዮም ኢኺ፡  ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምኪ ክዝክሩ እዮም፡ ስለዚ ጎይታ ኣህዛብ ንዘለኣለም ከመስግኑኻ እዩም ” ። 

 እቶም ስማ ንጽውዕ ክንደይ ዝተዓደልና ኢና!

በረኸታ የብዝሓልና!!

 

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.