እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

d35d4be55041c420738552a68d57e939

0 likes

ዳግማይ ትንሳኤ

ዮሃንስ 20 ፡ 1 – 10
1: በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ።
2: ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም።
3: ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ።
4: ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ። ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ።
5: ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን።
6: ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ።
7: እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን።
8-9: ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ።
10: ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ።

ዮሃንስ 20 ፡ 24 – 29
24: እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን።
25: እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም።
26: ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም።
27: ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ።
28: ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ።
29: ኢየሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።

   
    ቶማስ ስዱቃዊ ስለዝነበረ ሰብ ሞይቱ ይተርፍ እምበር ድሕሪ ሞት ሕይወት ከምዘሎ ይኣምን ኣይነበረን፡ ኣብ ልዕሊ ጎይታ ዝወረደ ግፍዒ ስለዝርኣዮ ኸኣ ክትንስእ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን፡ ስለዝኾነ ኸኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እንተዘይገይረ ኣይኣምምን በሎም፡ ጎይታ ግን ብዝወጻእናዮ ክንጠፍእ ስለዘይሓድገና ቶማስ ኣብዘለዎ ኣብ ዕጹው ገዛ መጺኡ” 27: ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን ” በሎ።
ክቡራት ምእመናን፡ ኣብዛ መጨረሻ እንርእያ ቃል ” ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን ” ፡ከምኡ’ውን ” ከይርኣዩ ዝኣምኑ ብጹኣን እዮም ” ይብለና ብስጋዊ ዓይንና ኸይርኣናዮ ንኣምኖ ብመንፈሳዊ ዓይንና ብዝርኣያና ስቓዩ ስቓይና ኾይኑ ከምቲ ምስ ሓጥያትና ዘፍቀረና ከይርኣናዮ ምፍቃርና ብጽእና ሂቡና፡ ብጹኣን ኣቦታትን በቢ ኣስማቶምን ገድሎምን ይፍለጡ እዮም ከርኣኻ ኣሚንካ ዝርከብ ብጽእና ግን ከነስተውዕሎ ስለዘይከኣልና ብጽእና ነቃልሎን ኣይነስተውዕሎን ዘለና፡ ቃል ጎይታና ግን ቃል ሓቂ ስለዝኾነ እሙንን ዛይቅየርን ስለዝኾነ፡ ነስተውዕል!!

ርሑስ በዓል ዳግማይ ትንሳኤ ይግበረልና!!

this post was source by

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)
20220306_072334

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.