PDF :- 2 መስከረም ዮሃንስ መጥመቕ
2 መስከረም ሰማእትነት ዮሃንስ መጥመቕ
ማቴዎስ ፡- 14
6: ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ።
7: ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ።
8: ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ።
9: እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ።
10: ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11: እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ።
12: ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንኢየሱስ ነገርዎ።