እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦስሎ ኖርወይ. ቤተ ክርስቲያን  ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፍት እዩ ብደሓን ምጹ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway. 

2 መስከረም

PDF :- 2 መስከረም ዮሃንስ መጥመቕ

2 መስከረም ሰማእትነት  ዮሃንስ መጥመቕ

ማቴዎስ ፡- 14
6: ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዐሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሐጐሰቶ።
7: ሽዑ ዝደለየቶ ኺህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ።
8: ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሀበኒ፡ በለቶ።
9: እቲ ንጉስ ጐሀየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ኪሀብዋ ኣዘዘ።
10: ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11: እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሀብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ።
12: ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንኢየሱስ ነገርዎ።

Loading

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.