እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስቲያን
ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስቲያን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ, ብመጀመርታ መንፈሳዊ ሰላምታና እንዳቕረብና ኣብ ዕዮኹም እግዝኣብሄር ኣምላኽ ከስልጠልኩም ወላዲት ኣምላኽን ቅዱሳንን ክድግፉኩም ንምነ, ነቲ ኩሉ ዝህብ እግዚኣቢሔር ኣምላኽ እንዳመስገና ምሳና ተኻፈልቲ በረኽትን ሓጎስናን መታን ክትኮኑ ቅድስት ማርያም ኦስሎ፣ እቲ ቅድም ሕጂ ዝገዛእናዮ ብዓል ኣርባዕተ ደርቢ ሓድሽ ህንጻ፤ ንቤተክርስትያን ክንገብሮ ተፍቂዱልና ምትዕርራይ ክንገብር ኣብ ምድላው ንርከብ። እዚ ቤተክርስትያን ንኩልና ተቐማጦ ኖርወይ ሓሊፉ ንደቂ ደቅናን ንወሎዶታት ዝከይድ ቤተክርስትያን ብሙኻኑ ህዳናትን ዓበይትን ዝማሃሩሉ ክፍልታት ዘለዎን ከምኡዉን ዝተፈላለይ መደባት ከም ኮንፈረንስ ክተካይደሉ ምቹእ ህንጻ እዩ። ዝተፈተኩም ኤርትራዊያን ፈተውትናን ነዚ ህንጻ መተዓራረይ ዝኽውን ካብ 7 እስካብ 10 ሚሊዮን ክሮና ስለዝሓተና ካብ ኣባላታና ዝኣከብናዮ ገንዘብ ውን ስለዘይኣክለና ብቀዳምነት, ዓቅሙኹም ክትሕግዙናን ከምኡዉን ኣብ ሓጺር ግዜ ንመልሶ ለቃሕ ከተለቅሑና ብትሕትና ምእንተማርያም እንዳበልና ሓገዝኩም ንሓትት ኣለና። ውዕል ለቃሕ ኣታሓሒዝና ንሰደልኹም ኣለና መሊእኩም ስደዱልና ገንዘብ ምስ ተቀበልና ማሕተም ጌርና ክትስንድዎ ክንሰደልኩም ኢና። ወላዲት ኣምላኽ ዕጽፍን ድርብን ጌራ ትሃብኩም ፤ ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር። Kontonummer 16078503770 eller vipps til 501129. More info. download here.

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.