እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

d68ac1faf779f9ece28776c4a31abf8f

0 likes

7 ሓምለ ( ሥላሤ )

  7 ሓምለ PDF  7-1

 ዘፍጥረት 18
1: ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ።
2: ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ፡
3: በለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ።
4: እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ።
5: ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ፡ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ።
6: ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ፡ በለ።
7: ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈ።
8: ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ።
9: ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ።
10: ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። 
11: ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።
12: ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።
13: እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት፧
14: ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።
15: ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡ ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ፡ በላ።
16: እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ።
17: እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧
18: ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ህዝብታት ኲላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ እዮም።
19: እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞም፡ ፈለጥክዎ፡ በለ።
20: እግዚኣብሄር ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ፡ 
21: ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኽርኢ እየ፡ በለ።
22: እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።
23: ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧
24: ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧
25: ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ በለ። 
26: እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኸብኩላስ፡ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ኽንሕፋ እየ፡ በለ።
27: ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡
28: ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ተጥፍኣ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣየጥፍኣን፡ በለ።
29: ከም ብሓድሽ ድማ፡ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይዀኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ፡ በለ።
30: ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትዀሪ። ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ሰላሳ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ፡ በለ። 
31: ንሱ ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።
32: ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትዀሪ ደኣ፡ ምናልባሽ ዓሰርተስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።
33: እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

 

this post was source by

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940
ዘቅድስት ( 2ይ ሰሙን)
20220306_072334

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.