እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

Screenshot_20210202-235503_Samsung Internet
7 ጥሪ

በረኸቶም ናይ ኣጋዕዝተ ዐለም ሥላሴ ኣይፈለየና!!

ዘፍጥረት  11
1:” ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት።
2: ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ።
3: ንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም።
4: ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ።
5: እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ።
6: እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን።
7: እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ።
8: እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ።
9: እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም”።

7 ጥሪ ጥቕመ ሰናኦር፡ ወይ ግምቢ ባቢልዮን ብምባል ይዝከር፡ ኣብዚ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ሰሪሖም ምስ እግዚኣብሔር ክመዓራረይሉ ዝፈተኑ ግዜ እግዚኣብሔር ተቖጥዐ ብቛንቋ ከምዘይረዳድኡ ምስገበሮም ከኣ ኩሉ ልዕሊ ዓቕሞም ኮነ፡ ነዓ እንተበልላዮ ይኸይድ ኪድ እንተበልካዮ ይመጽእ ናብ ዓለም ከኣ በታተኖም። ሎሚኸ ደቂ ሰባት ብቛንቋ ይረዳድኡ ዶ ኣለዉ/ና፧ ምርድዳእ እንተዝህሉ እዚ ኩሉ ህልቂት ኣይምስሃለወን! ናይ ዓለም ይጽንሓልና እሞ ናይዞም ሓደ ቛንቋ ንዛረብ ኢና ንብል ምርድዳእ ኣሎ ድዩ፧ የለን ክትብል ትደፍር ኢኻ፡ ክዛረብ እምበር ክሰምዕ ዝደሊ ውሑድ እዩ! ዘረባ ከይወዳእካ ሓሳብካ ከይተረድአ ክምልስ ዝጅምር ይበዝሕ! ገለ’ውን ከዛርበካ’ውን ኣይደልን’ዩ!!  ጥንቲ ምስ ኣምላኽ ክመዓራረዩ ጥፍኣት ኣጋጢምዎም፡ ሎሚኸኣ ኣነ ይፈልጥ፡ ኣነ ክዛረብ፡ ንዓይ ስምዑኒ፡ ኣነ ኣነ ኣነ….ወይ ከኣ ንረብሓኻ ክጥዕመካ ወገነይ እናተባህለ ብዘይ ምስትውዓል መገዲ ጥፍኣት ክጓዓዙ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ!!

እግዚኣብሔር ብዓኒ ምሕረቱ ተመልኪቱ ዓይነ ልቦና ይኽፈተልና!! ርሑስ በዓል ንዓመታ ብሰልም የጽንሓና !!

 

Discussion with us

Sorry there no data was found here.
Add Comments.

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.