- Author ማቴዎስ
- 0 |
- Rating 4.0 |
- Location Oslo
ማቴዎስ 21፡12-
12: ኢየሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ።
13: ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም።
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ካብ ሕጻንነቱ ስደት ክሳዕ ናይ መስቀል ሞት ተቐቢሉ፡ ዓቕሚ ስለዝስኣነ ግን ኣይኮነን! ቤተመቕደስ ከይዱ መናገዲ ገይረሞ ምስጸንሕዎ ግን ቤተይ ን ኹሉ ቤት ጸሎት እዩ ኢሉ ካብ ገመድ ጮግራፍ ተቲዑ ኣሳጎጎም!! ኣብዚ ግዜኸ ቤት መቕደስ (ቤተክርስቲያን ) ከመይ ኣሎ፧ ንኹልና ቤት ጸሎት ድዩ፧ ከምዚ ዝርአ ምፍልላያት፡ ወገን፡ ፖለቲክ፡ ትዕቢት መሊኣ እንተ ትጸንሖ እንታይ ምስገበረ፧
ኣነ፡ ንስኻ/ኺ፡ ንስኹም/ኽን ኩልና ንቤት መቕደስ (ቤተክርስትያን) ምስ ኣምላኽ መራኸቢ እንተ ተጠቒምናላ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ክጥምተና እዩ፡ ፈላለይቲ፡ነገድቲ ምስእንኸውን ግን እታ ጩግራፍ ብቤት መቕደስን ክብሪ እግዚኣብሔርን ኣይትምሕርን እያ።
እግዚኣብሔር የዒንቲ ልቦናና ይኽፈተልና!!