The Eritrean St.mary tewhado orthodox church Oslo Norway More info.call +4746276789 or mail to info@orthodox1.com Church is open every sunday 06:00am-14:00pm

www.orthodox1.com

     
3ይ ሰሙን ዓብዪ ጾም ( ምኵራብ )
    በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!  ሳልሳይ ሰሙን ዓብዪ
ጾም ምኵራብ ምኵራብ ክብሃል እንከሎ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 
ኣብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ ዝውዓሎ የዘክረካ ብፍላይ ክኣ  እቲ ኩሉ ዝኽእል ጎይታ ሕጻን
ኮይኑ ካብ ሄሮድስ ክስደድ ክሳብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝወረዶ ግፍዒ ኩሉ ተቐቢልዎ
ሓሊፉ ኣብ ቤት ጸሎት በጺሑ መናገዲ ገይረሞ ምስ ጸንሕዎ ግን ካብ ገመድ ጭጉራፍ
ተቲዑ ኣሳጎጎም ይብለና!!
  ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍና ክብሪ ቤት መቕደስ ማዕረ ኽንደይ ምዃኑ ኣነጺሩ ይነግረና እዩ!!
 ልዑል ፈጣሪና ኽኣ ኣቐዲሙ " ቤተይ ንኹሉ ቤት ጸሎት እያ" ይብለና!! 
  ሎሚኸ፧ ኣብያተ ክርስትያናትና ኣብያተ ጸሎት ድየን፧ 
"እተፍቅሩኒ እንተ ኾንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ" ከምዝበለና ብፍላይ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ
ትእዛዛቱ ንሓሉ! 
" ን እግዚኣሔር ምፍቃር ክኣ ትእዛዛቱ ምሕላው እዩ ትእዛዛቱ ኽኣ ከቢድ ኣይኮነን" 
 
 ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ: ወምሐረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋተ አበድር እመሥዋዕት
አነ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት እግዚአ ውእቱ ለሰንበት ወልደ ዕጓለ እመሕያው::
 
ሰላም: ሰንበት ኣክብሩ ሠናየ ግበሩ ቢጸክሙ ኣፍቅሩ ነዳያነ ወመስኪናነ መሐሩ ከመ ትእመኑ አንትሙ
ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ መሐረ ቃለ ሃይማኖት ወየቤሎሙ ሰንበት አክብሩ ሰላመ ተናገሮሙ
ወአእኮቱ ፈጣሪሆሙ:: 

      
Posted by on | Viewed 429 | | Printout Print