Print
ሕማማት
 
ሕማማት፥ጎይታ ን ኢዮርሳሌም ምስ ደየበ ብሓጎስ ኣፍ ዘይከፈቱ ህጻናት ከይትረፉ እናዘመሩ
ተቐበልዎ፡ ሉቃስ 19፡41፥ ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰላ፡
42፥ "ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዝኸውን እንተትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ"።
  እዛ ናይ ሎሚ ኢዮርሳሌም ወይ ዓለም ብምልእታ እንታይ ይብለና፧  
ገላትያ  6፡4-5፥ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር ኢዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡
ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ ኢዩ።
  ንሱ ንሕማምና ከምዝጸሮ መስቀሉ ክንጸውር ኣኻእሎ ይሃበና!! ብሰላም ኣብ ትንሳኤኡ የብጽሓና!!
Posted by on | Viewed 206 | | Printout