በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!! ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦስሎ ዝነበረ ጽበት ንምቅላል ሓድሽ ዝተገዝአ ህንጻ ንቤተክርስትያን ብዝጥዕም ንምቛም ኣብ ምትዕርራይ ትርከብ ከም ዕብየት ናይቲ ህንጻን ናብ ቤተክርስትያን ምቕያርን ግዜን ጉልበትን ባጀትን ዝሓትት እዩ! ክሳብ ሕጂ ብ ውሉደ ቤተክርስትያን ዝበዝሕ ብነጻ ጉልበት ንዋትን ኣዴታት ኣሓትን ከኣ ንዓየይቲ መግብን መስተን ኣብ ስራሕ እናተሓጋገዛን ዝበዝሕ ተዓሚሙ ኣሎ። ኣብዚ ዝተረፈ ዝወሓደን ዝቐለለን ስራሕ እቶም ዘይፈለጥኩም ንኽትፈልጡ፡ እቶም ዝፈለጥኩም ኣብዝጥዕመኩም ዓቕምኹም ብዝኽእሎ ክትሳተፉን ተኻፈልቲ በረኸት ንኽትኮኑን ክንሕብር ንፈቱ።
ናይ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ፡
ኩሉ ኣብ ዝተረኸበሉ ግዜ ግደ ኣለዎ እሞ ነብስና ከየነኣኣስና ኣብ ናይስራሕ ቦታ ንረኸብ። ናይ ስራሕ ግዜ ካብ 10፡00 -17፡00 ቀዳም 10፡00- 18፡00 ሰምበት፦ ዕረፍቲ ኣድራሻ፦ Stanseveien 6, 0975 Oslo
ብገንዘብ ክንሕግዝ እንተደሊና ፦ vipps 501129 bank 16078503770
እግዚኣብሔር መፈጸምትኡ የርእየና!! ን ሓገዝ ወይ ልቓሕ ዝምልከት ኣብ PDF ተመልከቱ። ልቓሕ PDF ናይ ህንጻ ስራሕPDF
![]() |