- Author: Johansen
- | Asmera
- | Rating 4.0
እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20...
ጾመ ጽጌ ምረት መከራ ድንግል ወላዲት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንዝክረሉ ከምቲ መልእኽ እግዚኣብሔር ን ቅዱስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ዝበሎ” ማቴዎስ 2፡13 ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ። ” ዮሴፍ ኣረጋውን ስሎሜን ኣሰንዮማ ን ግብጺ ተሰዱ ግብጻውያን ( ፈርኦናውያን ) ብ ሕማቕ ምስተቐበልዎም ጎታና ን ደቡብ ኣቢልኩም ተጓዓዙ ከይርኣዩ ዝኣምኑ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ህዝቢ ኣለዉ በሎም፡ ናብ ምድሪ ኣግኣዚት ኣትዮም ከኣ ካብ ደብረ ሰሒት ክሳብ ግሼን ባረኸ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ን ቅዱስ ዮሲፍ ኣረጋዊ ከምዝሓበሮ “ ማቴዎስ2፡20 እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።” ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ስደቱ ሃገርና ከዝባረኸ በረኸቱ ኣይፈለየና! ፍቕሩን ሰላሙን የውርደልና፡ በረኸታን ረድኤታን ልማኖኣን ናይድንግል ኣይፈለየና! ጾና ብሰላም የፈጽመና።
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Church location, Stansevn 6, 0975 Oslo Norway
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway