እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

FB_IMG_1643379990696

0 likes

ጾመ ፍልሰታ

1-neHase-11    PDF

ርሑስ ምጅማር ጾም ይግበረልና! ዝተደፍነ ዓይነ ልቦና ከፊቱ ሰላምን ፍቕርን ዘውርድ ይግበረልና!!

    ማርቆስ፡- 4፡ 35 – ፍ
35: በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም።
36: ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ።
37: ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ።
38: ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ።
39: ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። 
40: ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፥ በሎም።
41: ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ።
 ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተነበልና ቃል ወንጌል ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትመስል!!  ማዕበል ንኹሉ እዩ ዘናውጽ! ኣብዚ ግን ፍሉይ እታ ጎይታ ዘለዋ በይና ትናወጽ ነይራ! ኣብ ዓለምና ብዙሓት ቤተክርስቲያን ኣለዋ መብዛሕተአን ጸጥ ኢለን ኣለዋ፡ ገሊአን ከኣ ነዛ መሰረታዊት ሃይማኖት ንምፍራስ ዕረፍቲ የብለንን!  ጎይታን ሃዋርያትን ዝነበርዋ ጃልባ ማዕበል ክግልብጣ ኣይከኣለን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኸኣ ጎይታን ድንግልን ቅዱሳንን ጻድቃን ሰማእታትን ዝሓዘት ስለዝኾነት ኣይትናወጽን እያ!! ጎይታ ነቲ ማዕበል ከምዝኣዘዞ ሽግር  ቤተክርስቲያን ህዳእ ምስበሎ ኩሉ መስመሩ ስሒቱ ዘሎ ጌግኡ ተረዲኡ ዝምለሰሉ ወይ ብትዕቢት ዝጠፍኣሎ ግዜ ምስኣኸለ እዛ ቅንዕቲ ጥንታዊትን ሃይማኖት ብርሃና ንኹሉ ዝግለጸሉ ርሑቕ ኣይኮነን!!  እቲ ዘንብብ የስተውዕል ከምዝብለና መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ከነንብቦን ክንርድኦን! ኣርባዕተ ወንጌል ከኣ ተተርጒሙ ተዳልዩ ስለዘሉ ትርጉሙ ክንፈልጦ ኣየጸግመናን እዩ!! ነቲ ቅኑዕ ክንፈልጥ ከኣ ንድሕሪት የመሊስካ ታሪዝክ ምምርማር እዩ!! 
   
    እግዚኣብሔር ዓይነልቦናና ይኽፈተልና! ን ብግጉይ መገዲ ዝጓዓዙ ምስትውዕስል ይሃቦም!!

 

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ሆሳእና
FB_IMG_1650136856629
ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.