እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

FB_IMG_1644146156625

0 likes

ሉቃስ24፡ 45 ፡ ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥

 ሉቃስ 24 ፡ 45- ፍ
45: ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥
46: ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡
47: ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።
48: በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
49: እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። 
50: ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51: ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
52: ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ።
53: ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ። 
“ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም ” 

    እግዚኣብሔር እንተ ዘይከፊቱ ምስትውዓል የለን! ኩሉ ህጸት ሃይማኖት ዝርአ ይፈልጥ እየ ኢልካ ከምዝመስለካ ትርጉም ምሃብ ዘምጽኦ መዘዝ እዩ! መጽሓፍ ቅዱስና ከምዝሕብረና ” ሓደ ጎይታ፡ ሓንቲ ጥምቀት ፡ ሓንቲ እምነት ” ይብለና ኣብ ዓለምና ብኣሽሓት ዝቑጸር ሃይማኖት ይርአይ ኣሎ፡ ኣብ ሚዛን እንተ ተመዚኑ ግን ጎደሎ እዩ፡ ጠንቁ ኸኣ ብዘይ ፍልጠት ዝተመስረተ ምዃኑ እዩ!! ሓንቲ እምነት ክብሃል መለለዪ ኣለዎ፡ ኩሉ ናተይ ቅኑዕ እዩ ይብል፡ ንድሕሪት ተመሊስካ እንተ መርሚርካዮ ግን እታ ጎይታ ዝመስረታ ሃዋርያት ዘውረስዋ ቅንዕትን ርትዓዊትን ሃይማኖት ትርከብ! ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም፡ ንኹሉ ተዓዘቦ ነቲ ሰናይ ሰዓቦ ከምዝብለና ምስትውዓል ይሓትት!!  ኣምላኽነቱ ዝኽሕድ፡መስቀሉን ድንግል ወላዲቱን ዘቃልል እንታይ ሰናይ ክትረኽበሉ ትኽእል፧ ጎይታ ነዚ ከስተውዕል ዘይክእል ኣእምሮ ምስትውዓል የውርደሉ።  ጎይታ ንሃዋርያት ሉቃስ 24፡ 49 “እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም “። ኣብ መገዲ ኤማሁስ ዘጋጠመ ኣብ ዝሓለፈ ርእይና ኔርና  ባሪኹ ቆሪሱ ምስሃቦም ግን ኣዒንቶም ተኸፍታ፡ ናብ ኢየሩሳሌም ከኣ ተመለሱ፡  ኣብ ዕርገቱ ኸኣ ክሳብ ሓይሊ ካብ ላዕሊ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌም ጽንሑ ኢልዎም። ንዓናውን ኣብታ ጎይታ ዝመስረታ ቅንዕቲ  ሃይማኖት ክንጸንዕ እዩ ዝሕብረና!! ከምዚ እንርእዮ ዳርጋ ኩሉ ኣንጻር እዛ ቅንዕቲ ሃይማኖት ዘቕንዐ እዩ! ከም ዓሳ እናተገፈ ዝውሰድ ከኣ ውሑድ ኣይኮነን ገለ ንከብዱ ከዐንግል፡ ገለ ግዚያዊ ሽግሩ ክሰግር ፡ገለ’ውን ሃይማኖቱ ኣጸቢቑ ከይፈለጠ እቶም መስሓቲ ዝህብዎ ጠዋይ መገዲ ብምእማን ዝጠፍእ ውሑድ ኣይኮነን!

    እቶም ኣባጊዐይ ሓልዉ ዝተብሃሉ ጓሶት ከመይ ይጓስዩ ኣለዉ፧ ኣብዚ ካብ ምስማዕ ምዝራብ ዝምረጸሉ ግዜ ጓሳ ማዕረ ኽንደይ ከምዝሽገር ዘይሰሓት እዩ፡ ግን ስራሕ እንተ ተዋሂብካ ውዕለት’ውን ስለዘለዎ ኣብቲ ግዜ ውዕለት እንታይ ሒካ እዩ ክቕረብ! እዚ ግን ንኹሉ ዝምልከት ኣይኮነን! ሰብ ሃይማኖቱ ምርኩስ ገይሩ ኣብዘየድሊ ሃለውለው ንኽወድቕ ዝመርሑ ጓሶት ይርኣዩ ኢዮም! ኣብዘየድሊ ዓለማዊ መገዲ ዝወስዱ መራሕቲ ይርኣዩ ኢዮም! እቲ ማዕርግ ዝህብ መዓርግ ከውርድ ከምዝኽእል ዝሰሓቱ ይርኣዩ፡ ይስምዑ እዮም! እዚ ኩሉ ግን ፈቲኻ ዝግበር ኣይኮነን ምስትውዓል ስለዝጎድል ጥራሕ እዩ!! 

    ጎይታ  ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከምዝኸፈተሎም  ኣብዚ ዘለናዮ ፈታኒ ግዜ’ውን ዝተደፍነ ኣእምሮ ይኽፈተልና።

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ሆሳእና
FB_IMG_1650136856629
ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.