እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

d35d4be55041c420738552a68d57e939

0 likes

ገብርኄር ( እሙን ኣገልጋሊ)

እሙን ኣገልጋሊ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እሙን ኣገልጋሊ ተባሂሉ ዘሎ ኣገልጋሊ ከመይ ዓይነት እዩ?

 ማቴዎስ 25 ፡ 14 – 30   14 –  መገሻ ከምዝደለየ እሞ ንገላውኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም ሰብ እዩ። 15 – ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡  ነቲ ካልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ  ድማ ሓደ ሂብዎም ገሸ። 16  –እቲ ሓሙሽተ መክሊት እተቐበለ፡ ብኡብኡ ኸይዱ፡ ብእኡ ነገደ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። 17 – እቲ ክልተ እተቐበለ ከኣ  ክልተ ረብሐ። 18 –እቲ ሓደ ጥራይ እተቐበለ ግና ከይዱ፡ ኣብ ምድሪ ዅዒቱ  ወርቂ ጐይታኡ ሓብኤ። 19 – ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶም ድማ ተጸባጸበ። 20 – እቲ ሓሙሽተ መክሊት እተቐበለ ኸኣ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ መክሊት ሒዙ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ብሕድሪ ሂብካኒ ኔርካ፣ እንሆ፡ ተወሳኺ ሓሙሽተ መክሊት ረቢሐ እናበለ ቐረበ።  21 – ጐይታኡ ድማ፡ ሓራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22 – እቲ ክልተ መክሊት እተቐበለ እውን ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ኔርካ፡ እንሆ፡ ክልተ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23 – ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ! ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ’ በሎ። 24 –እቲ ሓደ መክሊት እተቐበለ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይዘራእኻዮ እትእክብ ጽኑዕ  ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ ፡ 25ስለዚ፡ ፈሪሀ፡ ከይደ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓቢአዮ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26 – እቲ  ጐይታ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ክፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዓጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከምዝእክብ ፈሊጥካ ኣለኻ። 27 – እምበኣርሲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦ ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ድማ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28 – ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ።29-  ንዘለዎ ዘበለ ኹሉ ይውሃቦ ይውሰኾውን፡፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30- ነቲ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ  ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ድማ ብኽያትን ምሕርቃም  ኣስናንን ኪኸውን እዩ።’  

 ከምዚ ጎይታ ዝምሃረና እሙን ኣገልጋሊ ሕያዋይ እሙንን እትዩ! ዓስቡ ኸኣ ከምቲ ብውሑድ ኣሙን ኣብ ብዝዙሕ ውን እሙን እዩ! ኣብ መክሊትና ሕያዎት እሙናት ዲና፧ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንስኹም ቤት መቕደስ ኢኹም ካህናት ኢኹም ይብለና፡ መዓርገ ክህነት ሃልዩና ስራሕ ክህነት ዋላ እንተ ዘይሰራሕና እታ ከም ካህን በስመ ስላሴ መኣድና ብሪኽና ቆሪስና ንዕንገለላ ቤትናን ውሉድናን መኽሊትና ምኹኖም ንፈልጥዶ፧ እንተ ፈሊጥና ፍሬና እንታይ ይመስል! እንተዘይፈለጥና ኸኣ ከምቲ ሃካይን ዘይእሙንን ባርያ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ከይንድርበ ነስተውዕል!!

                                                                    ጾምና ብሰላም የፈጽመና!!

                                                                                         ስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!!

 

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ሆሳእና
FB_IMG_1650136856629
ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.