እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ርእሰ ኣድባራት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ
ንግደት ቅድስት ድንግል ማሪያም ኦስሎ ኖርወይ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ
ብመጀመርታ መንፈሳዊ ሰላምታና እንዳቕረብና ኣብ ዕዮኹም እግዝኣብሔር ኣምላኽ ከስልጠልኩም ወላዲት ኣምላኽን ቅዱሳንን ክደግፉኹም ንምነ። መዝሙር ዳዊት 89, 4 ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕ፣ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።5 ጐይታየ፣ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፣ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።ዓመታዊ ክብረ በዓልን መመረቅታን ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦስሎ ኖርወይ ንዕለት 27-28August 2022 ፣ ብግእዝ ድማ 21 ን 22 ነሓሴ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ክነብዕሎ ከምፍቃድ ኣምላክ መዲብናስለዘለና መሳና ተሳፈቲ በረኸት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም፣
ሰዓታት መደብ ክብረ በዓልናዋዜማ ቀዳም 14፡00-18፡00,, ናይ ድራር ግዜ 17፡00-18፡00,, መደብ ትምህርቲ ሰንበት 18፡00-23፡00,, ማህሌት 23፡00-06፡00, ቅዳሴ 06፡00-10፡00,, ዑደትን ምህለላን 10፡00-11፡00ኣድራሻና:- Stanseveien 6 0975 Oslo//Norwayንዝያዳ ሓበረታ በዚ ተወከሱ: ዲ.ወልደሩፋኤል 40387061 ሙሉብርሃን 47627828በረኸትን ረድኤትን ቅድስት ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን።ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር።
No products were found matching your selection.