እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

IMG-452c7f37b2c9804537d95b641d1e2ad5-V

0 likes

"መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ" !!

ዮሃንስ 14 ፡ 1 –  14
1: ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።
2: ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡
3: ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።
4: ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገዱውን ትፈልጥዎ ኢኹም።
5: ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ። 

6: የሱስ ከኣ በሎ።፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
7: ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም
8: ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ።
9: የሱስ በሎ፥ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል አሎኻ፧
10: ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰንኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። 
11: ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።
12: ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
13: ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።
14: ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ

   ክቡራት ምእመናን  ሰምበት 4 ሰነ ካብ ዝተነበ ቃል ወንጌል ፡ ዮሐንስ 14 ፡  6 ” መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ ” እብዚ ግዜ ብጌጋ ዝተምሃሩ ዘይትርጉሙን ንባቡን ብምሃብ ን ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ንብ ሂወት ዘብጽሕ መገዲ እምበር ሂውርት ከምዘይኮነ ይገልጽዎ! እቲ ዝገርም ገለ ኦርቶዶክስ ብዘይ ምስትውዓል ከም ሓይለቃል ይጥቀምዎ! ” እቲ ዘንብብ የስተውዕል” ይብል ቅዱስ መጽሓፍ!!  ኣብዘን ሓደ ዝመስላ ዓቢ ፍልልይ ዘለወን ቃል ጎይታ ነስተውዕል እቲ ቅኑዕ ” መገድን ሓቅን ሂወትን ኣነ እየ” ይብል። እቲ ግጉይ ወይ ዘይምልእኽቱ ዝሓዘ ቃል መገዲ ሓቅን ሂወትን ኣነ እየ ይብል።  ኣብዚ ናይ ዮሓንስ ወንጌል 14፡6 ጎይታ መገዲ ኣነ ሓቂ ኣነ ሂወት ኣነ እየ ኢሉ እምበር ናብ ሂወት ዘብጽሕ መገዲ እነ እየ ኣይበለን!! እቲ ዘንብብ የስተውዕል ! ስለዝተብሃልና ከነስተውዕል ግድን እዩ! እንተኽኢልና  ንዓና ኾይና ነቶም ዝተጋገዩ ንምለስ፡ እንተዘይክኢልና ኸኣ ኣብታ ቅንዕቲ መገዲ ንጽናዕ!!

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ሆሳእና
FB_IMG_1650136856629
ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.