እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

0c49be0f4ba9500efa072cc425f97ce2

0 likes

ወንጌል ዮሐ 21፡15 - ፍ

ዮሐንስ 21፡25
” ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኩላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ”

ዮሐንስ 21 ፡ 15 – ፍ
15: ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ።
16: ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ጊዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዔይ ሐሉ፡ በሎ።
17: ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ በሎ፥ ኣባጊዔይ ኣብልዕ።
18: ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዐጢቕካ ናብ ዝደሌኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዜዕጥቐካ ናብ ዘይደሌኻዮውን ከም ዚወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ።
19: ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ኬኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኺሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዓበኒ፡ በሎ።
20: ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ኪስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኺድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዚህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ።
21: ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንኢየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ።
22: ኢየሱስ ከኣ በሎ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዓበኒ።
23: ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። ኢየሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።
24: እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና።
25: ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።

   ክቡራት ኦርቶዶክሳውያን፡ ከምኡውን በዚ ቃል ሓቂ እትኣምኑ፡  ጎይታ ኣብ መጀመርያ ድሕሪ ምሳሕ ን ቅዱስ ጴጥሮስ ትፈትወኒዶ ኢኻ ኢሉ ምስሓተቶ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ ኣባጊዐይ ሓሉ፡ ኣባጊዐይ ኣብልዕ፡  ይብሎ።  ዕያውተይ ዝበሎም ህጻናት መግቢ የድልዮም እቲ ጎይታ ብሂወት ክትነብሩ ብልዕዎ ስተይዎ ዝበለና መግቢ የድልዮም ስለዝኾነ መግቦም ኣብልዓዮም ኢልዎ፡ ስለዝኾነ ኸኣ ወዲ ኣብ ኣርብዓ ጓል ኣብ ሰማንያ ተጠሚቕና ስጋኡን ደሙን ንቕበል! ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን ስጋኡ በሊዕና ደሙ ሰቲና ሂወት ክንረክብ  ዝዓደለና!! መሊሱ ብኣባጊዕ ዝተመሰሉ ንኡሳን ዕድመ ጓስዮም ኢልዎ ህጻን እናመገብካን እናተኻናኸንካን ተዕብዮ ካብ ወለዱ እናተምሃረ ኸኣ ይዓቢ፡ ኣብቲ ከስተውዕለሉ ዝጅምር ግን ምጉሳይ የድልዮ፡ ኣብ ገዛ ዝውዕላ ዕያውቲ ንጸላኢ ዝተቓልዕ ኣይኮናን፡ ኣብ ወፍሪ ዝወፈራ ግን ዘይሕለል ጓሳ የድልየን፡  ስለዝኾነ ኸኣ ንኣሽቱ መንእሰያት ጓስዮም ኢልዎ፡  ከምዚ ልሙድ ኣብ ህዝና ዝረአ ህጻናት ኮይና ቅዱስ ቁርባን ምስተቐበልና ነብስና ሓጥያት ክትለማመድ ክትጅምር እንከላ ሕልናና ስለ ዘይፈቕደልና፡ ወይ’ውን ወለዲ ስለዘይተኣማመኑ ካብ ቅዱስ ቁርባን ንርሕቕ፡ ዕድመ ምስ’ትውስኽ ከኣ ክከምዘይምልከተካ ትቖጽሮ፡  ኣብዚ ዕድመ ዝጓስየካ እንተ ዘይረኺብካ እቲ ናይ ጥፍኣት ጓሳ ስለዝጓስየካ ክሳብ ሃይማኖት ምቕያርን ምኽሓድን ትበጽሕ፡ እዚ ፈሊጡ ጎይታ ኣባጊዐይ ጓሲ ኢልዎ!! ኣብ መጨረሻ ኣባጊዐይ ኣብልዕ ኢልዎ መግቢ ኣባጽሕን ሽማግሌታትን  ዓበይትን ከምዘድልዮም  ዝወፈረን ዓዲውዒልን መግብ ኢልዎ  ኣብ ንእስነትና ኣብ ዝነበርና ኔርና ተጓሲና ዲና ፋኒንና ፡ ኣምላኽና ዘኪርና ጥቕሚ ክርስትናን ቤተክርስትያንን ሓሲብና ኣብ’ንምለሰሉ መግቦም ኢሉዎ፡  ወፊረን ዝወዓላ ኣባጊዕ ኣብ መገዲ መግቢ ከምዘይወሃባ እኩል ሰብ ኣብዝነበረ ነይሩ ገዝኡ ኣትዩ ጾሩ ኣራጊፉ ኢዱ እንተኽኢሉ ገጹ እግሩ ከምዝሕጸብ ቤተክርስትያን ከኣ  ኣባት ነብሲ ሒዝካ ተማሂርካ ግቡእካ ምስፈጸምካ እቲ ሂወት ዝህብ ስጋን ደምን ጎይታ ተቐበለካ! እዚ ሓደ እኳ ንኸይጠፍእ ዝተኸፈተልና ገፊሕ ማዕጾ እዩ፡ እታ መገዲ ግን ጸባብ እያ፡ ካብ ብዙሕ ብውሑድ፡ ካብ ብምንዋሕ ብምሕጻር  ዕያውትን ኣባጊዕን፡ ኣብልዕን ጓስን ነዚ ይመስል። ሊቀ ሐዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕድመ በረኸት መግለጺ ከምዝኾነ ኣብ ብዙሕ ኣብነት ይኸውን ኩሉ ንዘለዎ ዕድመ ንበረኸት ምዃኑ ኣስተውዒሉ ምስ ዕድሚኡ ዝኸይድ ኣካይዳ ክነብር ይምህረና እዩ፡  ጎይታ  ስዓበኒ ምስበሎ ን ሐዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ከኣ ክስዕብ ረኣዮ’ሞ  ንጎይታ  እዚኸ ከመይ ምዃኑ’ዩ በሎ፡  “ኢየሱስ ከኣ በሎ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስካ ግዳ ስዓበኒ” በሎ፡  ንስኻ ግዳ ሰዓበኒ ዓቢ መልእክቲ ዝሓዘ እዩ ኣብዚ ግዜ ሰብ ብዕድመ፡ ብትምህርቲ፡ ብመዓርግ ይበልጸካ እሞ ምንም ከምዘይትፈልጥ ይግምተካ ጎይታ ግን ንኹሉ ነቲ ትፈልጦ ከምቲ ግቡኡ ጌርካ ጥራሕ ስርሓዮ ኢዩ ዝብሎም፡ ኣብ ቤተክርስቲያን’ውን ንዝመጸ ክንሓቁፍ ነቲ ቅሩብ ዝፈልጥ ፍልጠት ክውስኽ፡ ነቲ ዝፈልጥውን ብዙሓት ንኽፈሪ ከነታባብዕ ከምዝግብኣና ይምህረና፡  እንተዘይኮይኑ ግን ኣነ ይበልጽ፡ ኣይፈልጥን እዩ፡ ኣይተምሃረን፡ ኣብ ክስቶ እዩ ተማሂሩ እናበልካ ምንእኣስን ነብስኻ ምዕባይን ኣብ መጨረሻ ብዘይ ፍረ ከይንርከብ የጠንቅቐና ፡ ሐዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ንነብሱ ክገልጻ እንከሎ እቲ ጎይታ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙር ይብል፡ ነዚ ወንጌል ጸሓፊኡ ባዕሉ እንከሎ ኣብ ቁጽሪ  23: ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። ኢየሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ኪጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን።   ክብል ንነብሱ ብሕቡእ ይገልጾ፡ ኣብ ዘበናኸ ፧ ከመይ ኢዩ ዘሎ፧  ቁሩብ እንተ ፈሊጥካ ኣይትቕረቡኒ፡ መሬትውን ትጸረካ ኣይመስለካን፡ ወላ ብሕልሚ ዝረኣኻዮ ንኽፍለጠልካ ትጓየ፡ ሃይማኖትና ግን ከምኡ ኣይኮነን !!    በረኸቱ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ምስ ኩላትና ይኹን፡፡  እቲ ንግዜና ዘሕፍር ትሕትንኡ ከነጽረልና እንከሎ ኸኣ  24: እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሐፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና። ኣብ መጨረሻ ኸኣ ነቶም ወንጌል ሒዞም ኣንጻር ወንጌል ዝጓዓዙ ዓያሹ ኣነጺሩ ጽሒፍሎም!! 25: ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኩላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።       ሃዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ዓለም ከምዘይኣኽሎ ሓቢሩና፡ ነታ 81 ናብ 66 ቆሪጾማ  ንሱውን ጾም እናኣለኻ፡  ዓረገ  ደየበ ብዝብል እናቐየርካ፡ ቃል ስጋ ኮነ ንዝብል ቃል ሰብ ኮነ፡  ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወለዱልኪ ዝብል ክንዲ ኣቦታትካ ውሉድ ተወለዱልካ ቀይረሞ፡ ዝገርም እዩ ! እቲ ዘንብብ የስተውዕል እዩ!! ኣቦታቱ በዓል መን እዮም፧  ኣብዚ ክምልስ ይኽእል እየ ዝብል ካብቲ ላዕለዋይ ምሁር እየ በሃሊ ካስብ’ቲ ይፈልጥ’የ ዝብል ክገልጸልና ይኽእል እዩ!!       

እቲ ዘንብብ የስተውዕል!!! 

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር  ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይተኣኮት ስሙ ለእግዚኣብሔር ኣምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዕት!!

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

Recently published post

ሆሳእና
FB_IMG_1650136856629
ጾመ ነነዌ
2bbab47c8c31c7a4e85d94412334a66b
መቃርስ ወመቃርዮስ (13 መጋቢት)
bed96803d08a3cf1ce3782d6904930c1
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን ጾም)1
22
ዘምኲራብ (3ይ ሰሙን)
Screenshot_20230306-174404_Gallery
ዘወረደ ( 1ይ ሰሙን)
20230219_084940

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.