- Author: Paulos Habte
- | USA
- | Rating 5.0
ጸ ሎ ት ሕ ይማኖት..... ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ፣ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣ ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ወልደ አብ...
ሉቃስ 24፡13 – 45
13: እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ ኢየሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14: ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15: ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16: ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17: ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18: እቲ ሓደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19: ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ ኢየሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20: ሊቃውንቲ ካህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21: ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22: ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23: ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24: ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25: ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ 26: ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27: ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ። 28: ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ። 29: ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ። 30: ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም። 31: ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32: ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ። 33: በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም።
34: ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35: እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም። 36: እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37: ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38: ንሱ ኸኣ በሎም፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39: ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ።
40: እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም።
41: ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኩም፡ በሎም። 42: ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ። 43: ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ። 44: ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45: ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥
46: ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡
47: ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 49: እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።
ክቡራት ምእመን ኣብ ኤማሁስ ዝተገብረ ዓቢ ትምህርቲ ነስየውዕል! ጎይታና ካብ ቃል ሓሊፉ ስጋ ለቢሱ ክሳብ ናይ መስቀል ሞት ተበጂዩልና፡ ኣብ መገዲ ኤማሁስ ዝተገብረ ዝርርብ ሃዋርያት ኣመንቲ፡ ሓለይቲ፡ ፈላጣት ምዃኖም ይገልጹ፡ ግን ነቲ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ማዕረ ማዕሪኦም ዝጓዓዝ ጎይታ ከስተውዕልዎ ኣይከኣሉን! እንጌራ ባሪኹ ምስሃቦም ግን ኣዒንቶም ተኸፍታ ኣስተውዓሉ ኸኣ!! ጎይታ ኸኣ ተሰወሮም ይብለና፡ ን ኢዮርሳሌም ከኣ ተመለሱ፡ ሰብ ዝተሰወሮ እንተርእዩ ከስተውዕል ከምዘለዎ ምሂረሙና፡ ንሕናኸ ከመይ ኣለና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ጎይታ እንተ ዘይረኣኽዎ ዝብል ኣይተሰምዐን፡ ምናልብባት ገለ ተጠራጠርቲ! ስጋይ ብልዑ፡ ደመይ’ውን ስተዩ ከምዝበለና ቃሉ ተቐቢልና ስጋኡ ምስበላዕና ደሙ’ውን ምስ ሰተና ኣዒንትና ይኽፈትዶ፡ ናበዪና ንኸይድ ፧ ኦርቶዶክስ ብኽብሪ ንገዝኡ ይኸይድ፡ ኣብ ገዝኡ ዓሪፉ ይውዕል! ” ማቴዎስ 11፡
28: ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
29-30: ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም ” ከምዝበለና። እንተ ኣብህጻናት ዝርአ ግን ኣይግድን! ብዙሓት ወለዲ ህጻናት ምስተቐበሉ ከመይ ከዝተሓዙ ኣይፈልጡን እዮም! ቆልዑ ይቕበሉ ኣለዉ ኢልካ ተደፋፊእኻ ኣቐቢልካ ምስተቐበለ ኣብዘለዎ ዘይትፈልጦ እንተኾይንካ ብሸለልትናአት ኣብ ሽግር ወዲቕካ ከምዘለኻ ምፍላጥ ከድሊ እዩ!! ወለዶም ክቕበሉ ስለዘይረኣይዎም ክቕበሉ እንከለዉ ቤተክርስትያን ብብኽያት ዝርብሹ ህጻናት ብዙሓት እዮም፡ መኽንያቱ ወላዲ ኽቕበል ስለዘይርእይዎ ጽቡቕ እንተዝኸውን ቅድም ንዕኦም ዘይቅበሉ ዝብሉ እዮም ዝመስሉ!!
1. ብዘይካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ | 2. ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ | 3. ስም እግኣብሔር ብኸንቱ ኣይተልዕል | 4. መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር | 5. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር | 6. ኣይትቕተል | 7. ኣይትዘሙ | 8. ኣይትስረቕ | 9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር | 10. ኣይትመነ.
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 1985-2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway