እንቛዕ  ብድሓን  መጻእኩም  ናብ  ናይ  ኤርትራ  ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ  ርእሰ  ኣድባራት  ቤተክርስቲያን  ቅድስቲ  ድንግል  ማርያም  ኦስሎ  ኖርወይ

WELCOME TO ERITREAN ST.MARY COPTIC TEWAHDO ORTHODOX CHURCH OSLO NORWAY. CHURCH SERVICES AND OPENING HRS 06 AM - 14 PM EVERY FRIDAY AND SUNDAY.

ዕርገት

ማቴዎስ  28፡18፡20
18: የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
19-20: ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

ማርቆስ 16፡19-20
19: ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ።
20: ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።

ሉቃስ 24፡50-53
50: ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።
51: ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ።
52: ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
53: ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስ ይነብሩ ነበሩ።

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.