ዮሃንስ መጥምቕ ብ 30 ሰነ ተወሊዱ፡ ገብርኤል መልኣኽ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጎይታ ከምትወልዶ ከበስራ እንከሎ፡ ” ሉቃስ
36-37: እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡ – ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ – ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ” ካብ 30 ሰነ 6 ኣዋርሕ እንተ ቆጺርና 29 ታሕሳስ ናይ ጎይታ ልደት ንረክብ። ኩሉ ነገር ብምስትውዓል እንተ ተመልኪትናዮ ጌጋ፡ ወይ ምግናን ኣይርከብን እዩ፡ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ ስለዝኾነ ግን ገሊኦም ይዕንቀፉ።
እግዚኣብሔር ዓይነልቦናይሃብ፡ በረኸት ማይ ዮሐንስ መጥምቅ የካፍለና።
0