እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦስሎ ኖርወይ. ቤተ ክርስቲያን  ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፍት እዩ ብደሓን ምጹ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway. 

ሆሳእና ( 8ይ ሰሙን ጾም )

PDF ሆሳእናሆሳእና22(1)

ዮሃንስ 12: 12 -19

12፡ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡
13: ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።
14-15: ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ ኢየሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
16: ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ። 17: እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ። 18: ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ። 19: ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ አሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ፡ ተባሃሃሉ።

Loading

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.