እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

FB_IMG_1650136856629

0 likes

ሆሳእና

                እንቃዕ ብሰላም ናብ ዕለተ ሆሳዕና ኣብጸሓና

  ሆሳዕና ( ሕጂ ኣድሕን)፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢዮርሳሌም ክኣቱ እንከሎ ” ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚዝብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ ” እናበሉ ተቐበልዎ (ማቴ 21፡9)   ወንጌል ማቴዎስ 21 ፣ ማርቆስ 11 ፣ ዮሃንስ 12  ንመልከት።  ኣብቲ ግዜ ድሕነት ይጽበዩ ስለዝነበሩ እዮም ሆሳእና ( ሕጂ ኣድሕን ) እናበሉ ዘሚሮም፡ ሽዑ መግዛእቲ ሮማ ብስጋን ብነፍስን በርቲዕዎም ነበረ ! ሎሚ ኸኣ ዓለምና ብኸቢድ ተጨኒቓትሉ ኣብዘላ ግዜ ሕጂ ኣድሕን ክንብል ይግበኣና እዩ!! መንግስታት ዓለም ሓይሎም ንኽፍለጠሎም ወይ ግዝኣቶም ንኽዓብየሎም ዘካይድዎ ዕግርግር ክመስለና ይኽእል እዩ! ቀንዱ ግን ጸረ እመት ጸረ ክርስቶስ እዩ! ብፍላይ ነተን ኣብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ዝነበራን ዘለዋን ብኸመይ ከምዘዳኸምወንን ከምዘጥፍእወንን ንመብዛሕቱ ብሩህ እዩ! ንምጥቕላል ከኣ ናብ ኢስራኤል ይተኣኻኸቡ ኣለዉ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሉቃስ 21፡20 ከምዝሓበረናን ከምዘጠንቀቐናን 20፡ ” ኢዮርሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ከምዝቐረበ ፍለጡ”  21 ብምሉእ ንርኣዮ፡ እቲ ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ትኽበበሉ  “21፡22 ፡  እዚ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ክፍጸምሲ ወርሓት ሕነ እዩ!!” ይብለና። እሞ ዝተሓበረና ይግለጽ ሰለዘሎ ሸለል ከይበልና ከነስተውዕልን፡ ጽሑፋት ክንምርምርን ክንሓትትን ይግበኣናን ግዴታንንእውን እዩ!! ከነስተውዕል ጽሑፋት ክንርምር ክእለትን ዓቕምን እንተ ዘይሃልይናውን ፍቕሪ ኣምላኽን ሰብን ኣብ ኣእብሮናን ልብናን ነስፍረን!!

 

                       ርሑስ በዓለ ሆሳዕና ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላም የብጽሓና!! ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!!

 

 

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.