ቅዱሳን ኣቦታት ኣባ መቃርስ ወመቃርዮስ
መቃርስ ወ መቃርዮስ ( 13 መጋቢት ) እግዚኣብሄር ይመስገን ፡ ፈጣሪናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ንኽንድሕን ክንደይ ምልክትን ተኣምራትን ዘይገበረ ! ፈጣሪ
ንምንታይ ከምዝፈጠረና ስለ ዝፈልጥ ክንጠፍእ ኣይሓድገናን’ዩ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን ከነስተውዕል ኣይክኣልናን፡ እቶም ድሕነት ረኺብና ንብል ክርስትያን ክኣ ካብቶም ዘይኣመንቲ ከፊእና!
ምኽንያቱ እቶም ዘይኣምኑ ክፈልጡውን ስለዘይደልዩ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ዝበሎ ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ! ንሕናግን እቶም ተቐቢልናዮ ከነብቅዕ በቲ መገዱ ዘይንጓዓዝ ካብቲ ናቶም
ዝኸፍእ ፍርዲ ይጽበየና ኣሎ። ኣይተነገረናን ከይንብል ተነጊሩና’ዩ፡ ኣይሰማዕኹን ከይንብል ንኸይንሰምዕ አእዛና ስለ ዝዓጸና፡ ማለት ቤተክርስትያን ክንመላለስ ኣይንፈቱን፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ
ከነንብብ ኣይንፈቱን፡ ድምጺ መምህራን ክንሰምዕ ዓቕሊ የብልናን፡ ክንሓትት ኣይንፈቱን፡ ካልእን ነየናይ’ሞ ጠቒስካ ክውዳእ። ጎይታናን መድሓኒናን አብዚ መዓልቲ እዚ (13 መጋቢት) ካብ
ዝገበሮ ትምህርትን ተኣምርን ከምዚ ስዒብና ነንብቦ ይመስል፡ ንምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፈ ስንክሳር 13መጋቢት ንመልከት፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስለቲ ምእንታና ዘፍሰሶ ደሙን ከም ብዝሒ
ምሕረቱን ምስትውዓል ይሃበና ኣሜን!!
0