እንቛዕ  ብድሓን  መጻእኩም  ናብ  ናይ  ኤርትራ  ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ  ርእሰ  ኣድባራት  ቤተክርስቲያን  ቅድስቲ  ድንግል  ማርያም  ኦስሎ  ኖርወይ

WELCOME TO ERITREAN ST.MARY COPTIC TEWAHDO ORTHODOX CHURCH OSLO NORWAY. CHURCH SERVICES AND OPENING HRS 06 AM - 14 PM EVERY FRIDAY AND SUNDAY.

ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና!!

ክቡራት ምእመናን ኣብዚ ናይ ልዯት ግዜ ብብዝሒ ተዯጋጋሚ ካብ ዝልዓል ሕቶ ኣሕጽር ኣቢለና ክንምልስ። ብመጀመርያ ናብዚ ዘብጽሓና ልኡል እግዝኣብሄር ይመስገን እናበልና
እንቛዕ ናብ ብርሃነ ልዯቱ ብሰላም ኣብጽሓኩም/ና እናበልና ክንምልስ ፍቓደ ይኹን!!
ክቡራን ምእመናን ንኸይንጠራጠር ክንመራምር ኣሎና! እቲ ብምስትውዓል ክንምልከቶ ዘሎና ኽኣ ቃል ኣምላኽ’ዩ! እዚ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ግዜ ፍልልያት ካብ ሰብ ዝመጸ’ዩ፡ መገዱ ሰብ
ክኣ ናቱ ኽምስርት እንተኾይኑ ካብቲ ዝነበሮ ዝፈልዮ ክፈጥር ኣለዎ። ስለ ዝኾነ በቲ ፍሉጥ መሰረት ምፍልላይ ሃይማኖት ክርስትና ዝኾነ ኣርዮስ ተበጊሱ ክሳብ እዘን ሎሚ እናተፈጠራ ዝሓድራ ዘለዋ ሃይማኖታት ንዓአን
ብዝጥዕመን መገድታት እናተሰረታ ይትከላ ኣለዋ! ተኻሊአን ጎይታ ኣይኮነን!! ጎይታና ብመገዱ ቅደስ ጳውሎስ ባርያኡ ኣብ ኤፌሶን 4፡5
ከምዝሓበረና ሓዯ ጎይታ ሓንቲ እምነት (ሃይማኖት) ኢሉና’ዩ፡ በዚ እንተ ኣሚና ኽኣ ካብታ ጎይታና ዝተኸላ ወጺአን ዘለዋ ሃይማኖታት ኣበየን ተተኺለን ዘለዋ፧ ግልጺ’ዩ ጎይታ እታ መሰረታዊት እምነት ንዕኡ ብዯሙ
ኸምዝተኸላ እዘን ብመገዱ ሰብ ተተኺለን ዘለዋ ኽኣ ብላሳኖም እምበር ብዯም ጎይታ ዘይተተኽላ ስለ ዝኾና ብዝኾነ ሃይማኖታዊ መምዘኒ ሚዛነን ጎዯሎን ኣብ ሚዛን ዘይቀርብን’ዩ!!

እንቋዕ ብሰላም ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጸሓና!!  LDET-1

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.