ቀዳም እንታይ እዩ ተሳዒሩ፧ 1ይ-እቲ ሓያል ኩሉ ዝኽእል ጎይታ ንሲኦል ስዒሩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ዓብዪ ጾም ቀዳመ ሰንበት ካብ ጥልላት ትኽልከል እምበር ጼምካ ኣይውዓልን እዩ። ኣብተን 8ሳምንታት ከኣ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ንጸውም 5×8 40 ይኸውን ቀዳም ስዑር ግን ትጽወም፡ እቲ ዝኽእል ከኣ ክርስቶስ ተንሰኣ እሙታን ኢሉ መስቀል ክሳብ ዝሳለም መግቢ ኣይለክፍን። ስለዝኾነ ቀዳም ብጾም ተሳዒሩ፡፡