- Author: Paulos Habte
- | USA
- | Rating 5.0
ጸ ሎ ት ሕ ይማኖት..... ነአምን በአሐዱ አምላክ እግዚአብሔር አብ፣ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ፣ ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነአምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ወልደ አብ...
ማቴዎስ 6፡16 ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 17-18: ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። 19-21: መዝገብካ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን!! ማቴዎስ 21፡12- 12: ኢየሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 13: ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሰብ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ካብ ሕጻንነቱ ስደት ክሳዕ ናይ መስቀል ሞት ተቐቢሉ፡ ዓቕሚ ስለዝስኣነ ግን ኣይኮነን! ቤተመቕደስ ከይዱ መናገዲ ገይረሞ ምስጸንሕዎ ግን ቤተይ ን ኹሉ ቤት ጸሎት እዩ ኢሉ ካብ ገመድ ጮግራፍ ተቲዑ ኣሳጎጎም!! ኣብዚ ግዜኸ ቤት መቕደስ (ቤተክርስቲያን ) ከመይ ኣሎ፧ ንኹልና ቤት ጸሎት ድዩ፧ ከምዚ ዝርአ ምፍልላያት፡ ወገን፡ ፖለቲክ፡ ትዕቢት መሊኣ እንተ ትጸንሖ እንታይ ምስገበረ፧ ኣነ፡ ንስኻ/ኺ፡ ንስኹም/ኽን ኩልና ንቤት መቕደስ (ቤተክርስትያን) ምስ ኣምላኽ መራኸቢ እንተ ተጠቒምናላ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ክጥምተና እዩ፡ ፈላለይቲ፡ነገድቲ ምስእንኸውን ግን እታ ጩግራፍ ብቤት መቕደስን ክብሪ እግዚኣብሔርን ኣይትምሕርን እያ። እግዚኣብሔር የዒንቲ ልቦናና ይኽፈተልና!!
1. ብዘይካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ | 2. ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ | 3. ስም እግኣብሔር ብኸንቱ ኣይተልዕል | 4. መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር | 5. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር | 6. ኣይትቕተል | 7. ኣይትዘሙ | 8. ኣይትስረቕ | 9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር | 10. ኣይትመነ.
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 1985-2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway