እግዚኣብሔር ይመስገን ሓዲሽ ቤተክርስቲያንና ኣብ ምዝዛሙ በጺሑ፡ ካብ ሰንበት 27022022 ብግእዝ ከኣ 20062014ዓ/ም ኣገልግሎት ክጅምር እዩ፡ ናብዚ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን፡ ዝተረፈ ኣብ ዝሓጸረ ክፍጸም ኩላትና ዓቕምና ከነበርክት ቤተክርስቲያንና ትላቦ።
እንቛዕ ብድሓን መጻእኩም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ርእሰ ኣድባራት ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ
ንግደት ቅድስት ድንግል ማሪያም ኦስሎ ኖርወይ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ ኣምላክ
ብመጀመርታ መንፈሳዊ ሰላምታና እንዳቕረብና ኣብ ዕዮኹም እግዝኣብሔር ኣምላኽ ከስልጠልኩም ወላዲት ኣምላኽን ቅዱሳንን ክደግፉኹም ንምነ። መዝሙር ዳዊት 89, 4 ዘርእኻ ንዘለአለም ከጽንዕ፣ ዝፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሀንጽ እየ።
5 ጐይታየ፣ ሰማያት ከኣ ንተኣምራትካ፣ ንእምነትካ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ኪውድሱ እዮም።
ዓመታዊ ክብረ በዓልን መመረቅታን ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስትያን ቅድስት ማርያም ኦስሎ ኖርወይ ንዕለት 27-28
August 2022 ፣ ብግእዝ ድማ 21 ን 22 ነሓሴ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ክነብዕሎ ከምፍቃድ ኣምላክ መዲብና
ስለዘለና መሳና ተሳፈቲ በረኸት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም፣
ሰዓታት መደብ ክብረ በዓልና
ዋዜማ ቀዳም 14፡00-18፡00,, ናይ ድራር ግዜ 17፡00-18፡00,, መደብ ትምህርቲ ሰንበት 18፡00-23፡00,, ማህሌት 23፡00-06፡00, ቅዳሴ 06፡00-10፡00,, ዑደትን ምህለላን 10፡00-11፡00
ኣድራሻና:- Stanseveien 6 0975 Oslo//Norway
ንዝያዳ ሓበረታ በዚ ተወከሱ: ዲ.ወልደሩፋኤል 40387061 ሙሉብርሃን 47627828
በረኸትን ረድኤትን ቅድስት ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለ ወላዲቱ ድንግል ወለ መስቀሉ ክቡር።
እግዚኣብሔር ይመስገን ሓዲሽ ቤተክርስቲያንና ኣብ ምዝዛሙ በጺሑ፡ ካብ ሰንበት 27022022 ብግእዝ ከኣ 20062014ዓ/ም ኣገልግሎት ክጅምር እዩ፡ ናብዚ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን፡ ዝተረፈ ኣብ ዝሓጸረ ክፍጸም ኩላትና ዓቕምና ከነበርክት ቤተክርስቲያንና ትላቦ።