ዘወረደ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!
ዮሃንስ 3፡12-16
12: ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧
13: ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን።
14-15: ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።
16: ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
ርሑስ ምጅማር ጾም ይግበረልና ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ክብሩ ገዲፉ ንድሕነትና ክሳብ ናይ መስቀል ሞት ዝተቐበለ ንሕና ኸኣ ካብ ኩሉ ሓጥያትናን ኩፉእ ግብርናን ርሒቕና ብንጽህናን ቅድስናን ክንጸውም ይግባኣና፡፡
ሓይሊ ብዝህበና ልዑል እግዚኣብሔር ኩሉ ይከኣል እዩ፡ ክብሪ ንዕኡ ይኹን!! ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና።
ስብሐት ለእግዚኣንሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።
PDF:- 40 3arste Hatawia-1
0