እንቛዕ ናብ ክቡር በዓልደብረ ታቦር ኣብጸሓና! ከምቲ ሃዋርያት ክብሪ ጎይታ ርእዮም ” ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ዝበሉ ንዓናውን ሃይማኖትን ፈሊጥና፡ ኣብዛ ቅንዕቲ ጥንታዊትን ሃይማኖት ምንባር ጽቡቕ እዩ፡ ክንብል የብቅዓና!!
ማቴዎስ 17፡1-5
1: ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።
2: ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።
3: እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም።
4: ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ።
5: ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።