እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኦስሎ ኖርወይ. ቤተ ክርስቲያን  ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፍት እዩ ብደሓን ምጹ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway. 

ደብረ ታቦር

እንቛዕ ናብ ክቡር በዓልደብረ ታቦር ኣብጸሓና! ከምቲ ሃዋርያት ክብሪ ጎይታ ርእዮም ” ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ” ዝበሉ ንዓናውን ሃይማኖትን ፈሊጥና፡ ኣብዛ ቅንዕቲ ጥንታዊትን ሃይማኖት ምንባር ጽቡቕ እዩ፡ ክንብል የብቅዓና!!

ማቴዎስ 17፡1-5
1: ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ ኢየሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።
2: ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።
3: እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም።
4: ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ።
5: ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።

Loading

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.