- Author: Johansen
- | Asmera
- | Rating 4.0
እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20...
ሰኑይ 26/02/2024 ክሳዕ ሩቡዕ 28/02/2024 18 ለካቲት2016 ክሳዕ ረቡዕ 28 ለካቲት 2016 ሰለስተ መዓልቲ ጾም እዩ፡
ጾመ ነነዌ ዓቢ ትምህርቲ ንክርስትያንን ንኹሉ ከስተውዕል ዝኽእልን ዝተውሃበ ምሳሌ እዩ፡ እቲ ብ የዋህ ዝፍለጥ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ 3 መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከምዝገበረ ጎይታ ኸኣ ን ሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ከርሲ መቓብር ! ጾመ ነነዌ እንተ ዘይጾምካ ዓቢ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ኣይትጸውምን ኢኻ ዝብሉ/ላ ገለ ግጉያት ኣለዉ/ዋ! ስለምንታይ እንተበልካዮም/ን መልሲ የለን! መልሲ ግን ንጹር እዩ! ክጸሙ ስለዘይደለዩ/ያ እዩ!!
እኳ ደኣ በንጻሩ ጾመ ነነዌ እንተዘይጸምካ ዓብዪ ጾም ኣብዚሕካ ክጽወም ይግባእ!!8
ነነዌ ንኸይጠፍኡ ነቢ ዮናስ ሊእኽሎም ካብ በደሎም ምስተመለሱ ኸኣ ተማሒሮም። ሎሚኸ፧ ጾምና ንምንታይ እዩ፧ ጎይታ ካብ በደልና ንኽንምለስ ብብዙሕ መገዲ ልኡኻቱ ሊእኹ እዩ፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ!! እሞ ጾምና ንምንታይ እዩ፧ ቅድም ስለ ርእስና ድሕሪኡ ስለ ወገንናን ዓለምን ክንከውን ብ ልባዊ ንስሓ ክንጸውም ይግበኣና!!
ርሑስ ምጅማር ጾም ይግበረልና
1. ብዘይካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ | 2. ስእልን ምስልን ኣይተምልኽ | 3. ስም እግኣብሔር ብኸንቱ ኣይተልዕል | 4. መዓልቲ ሰንበት ኣኽብር | 5. ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር | 6. ኣይትቕተል | 7. ኣይትዘሙ | 8. ኣይትስረቕ | 9. ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር | 10. ኣይትመነ.
DONATIONS
Unfortunately the church need support from members and voluntary donations. The church asking you all members and voluntary to understand this. Please use church bank account number 16078503770 OR use vipps to 501129.
If any questions contact us here, thank you god bless you all.
Church service Hrs Friday 16፡00–20፡00 Sunday 06፡00–14፡00
Organisasjonsnr 987 807 7090
Copyright © 1985-2024 Eritrean orthodox church Oslo Norway