ጾመ ጽጌ ምረት መከራ ድንግል ወላዲት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንዝክረሉ ከምቲ መልእኽ እግዚኣብሔር ን ቅዱስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ዝበሎ” ማቴዎስ 2፡13 ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ። ” ዮሴፍ ኣረጋውን ስሎሜን ኣሰንዮማ ን ግብጺ ተሰዱ ግብጻውያን ( ፈርኦናውያን ) ብ ሕማቕ ምስተቐበልዎም ጎታና ን ደቡብ ኣቢልኩም ተጓዓዙ ከይርኣዩ ዝኣምኑ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ህዝቢ ኣለዉ በሎም፡ ናብ ምድሪ ኣግኣዚት ኣትዮም ከኣ ካብ ደብረ ሰሒት ክሳብ ግሼን ባረኸ፡ መልኣኽ እግዚኣብሔር ን ቅዱስ ዮሲፍ ኣረጋዊ ከምዝሓበሮ “ ማቴዎስ2፡20 እቶም ህይወት እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ።” ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ስደቱ ሃገርና ከዝባረኸ በረኸቱ ኣይፈለየና! ፍቕሩን ሰላሙን የውርደልና፡ በረኸታን ረድኤታን ልማኖኣን ናይድንግል ኣይፈለየና! ጾና ብሰላም የፈጽመና።
0