እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም  ኦስሎ ኖርወይ

Welcome to the Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

John 15 ትግ – ዮሃንስ 17: ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

ዮሃንስ 15 ፡ 17 – ፍ 
17: ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።
18: ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።
19: ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።
20: ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። 
21: ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።
22: ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን።
23: እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ።
24: ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።
25: እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ። 
26: እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።
27: ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።

ሓዲሽ ትእዛዝ ” ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ” ፍቕሪ ንኹሉ ጠሚራ ትሕዝ ትእዛዝ! ፍቕሪ ሓዲሽ ዝተውሃበና ትእዛዝ ካብኮነ ብዛዕባ ፍቕሪ  ኣዕዚዝና ክንሓስብ ይግብኣና ! !

 

 

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.