ዮሃንስ 15 ፡ 17 – ፍ
17: ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ።
18: ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ።
19: ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።
20: ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም።
21: ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።
22: ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን።
23: እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ።
24: ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።
25: እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዝዀነ።
26: እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ።
27: ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።
ሓዲሽ ትእዛዝ ” ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም አሎኹ” ፍቕሪ ንኹሉ ጠሚራ ትሕዝ ትእዛዝ! ፍቕሪ ሓዲሽ ዝተውሃበና ትእዛዝ ካብኮነ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣዕዚዝና ክንሓስብ ይግብኣና ! !
3