እንቛዕ ብደሓም መጻእኹም ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ጽርሃ ኣርያም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦስሎ ኖርወይ: ቤተክርስትያን ዝኸፈተሉ ሳዓታት ዓርቢ ካብ 16-20 ሰምበት 06-14 ክፉት እዩ ብደሐን ምጹ-ምጻ

FB_IMG_1714291660299

0 likes

ሆሳእና

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

እግዚኣብሄር ዘፍቅረኩም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ ስድራ እግዚኣብሄር ፍጹም ሰላመ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

*እንቋዕ ናብ ዑደተ ሆሳእናሁ ብሰላም ኣብጽሓና ኣሜን።

* ኮምኡ’ውን ሰሙነ ሕማማት ኣፈጺሙ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላምን ፍቅርን የብጽሓና ኣሜን።

*ከምቲ ኣብ 7ይ ክፋል ብዛዕባ “ኒቆዲሞስ” ዝተመሃርና ሎሚ ከኣ ከም ፍቃድ ኣምላክ 8ይ ሰንበት ብዛዕባ እቲ ክቡር በዓል “ሆሳእና” ክንመሃሃር እና።ገላጺ ምስጢር ምስጢሩ ይግለጸልና ኣሜን።

ሆሳእና፥ማለት ካብ እብራይስጥ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ “ኣድሕን ኰታ” ወይ “ሕጂ ኣድሕን” ማለት እዩ።

*በኣርያም ከኣ (ላዕሊ)መሕደሪ እግዚኣብሄር ፡ካብ ሰማይ መጺካ ሕጂ ኣድሕን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ነብያት ኣትሒዙ ዝተለምደ እዩ። +(መዝ 118፥25)”ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ” “ኦ እግዚእብሄር ኣድሕን ኰታ” እና በሉ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ከም ዝነበሩ።

+(ማቴ 21፥1-11)”ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብዓብይ ክብሪ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኣተወ ቅድሚኡን ዝክተልዎን ዝነበሩ ህዝቢ ብፍላይ ኣእሩግን ህጻናትን “ሆሳእና” ንወዲ ዳዊት ፡እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡”ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ኢሎም እና ዘመሩ ከም ዝተቀበልዎ ይነግረና።

* እዚ በዓል “ሆሳእና” ዝብል ስያሜ ዝተወሃቦ በቲ ዝዘመርዎ መሰረት እዩ።

*ጎይታናን ኣምላክናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኢየሩሳሌም ክኣቱ ኮሎ ንደቂ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሜኩም ዘላ ዓዲ ኪዱ፡ኣብኡ ከኣ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረክቡ ኢኹም።ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ በሎም።

*ቀዳማይ ክንርዳኦ ዘለና ክርስቶስ ንደቂ ኣዳም ካብ ማእሰርቲ ድያብሎስ ፡ካብ ማእሰርቲ ሲኦል ዝፈትሓሉ ሰዓት ከም ዝኣከለ ከርድእ። እታ ኣድጊ ጽዕነት ዝለመደት ኮይና ብኦሪት እያ ትምሰል። ምክናቱ ኦሪት ሕጊ ዝለመደ እዩ። እታ ዒሉ ከኣ ብወንጌል እያ ትምሰል ምክናቱ ጽዕነት ዘይለመደት እያ ወንጌል ከኣ ጌና ከም ዝነበረ ከረድእ እዩ።

*ካልኣይ ንደቂ መዛሙርቱ ፈቲሕኩም ኣምጽእዋ ክብሎም ኮሎ ንሳቶም በቲ ክርስቶስ ዝሃቦም “ስልጣነ ሰማይ ወምድር” ዝሃቦም ኣብ ምድሪ ክኣስሩን ክፈትሑን ስልጣን ከም ዝተቀበሉ ከረድእ እዩ።

#ክርስቶስ ኣብዚ ሰዓት ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ብትሕትና መጹ ንሓጥኣን ከም ዝፈትሐ።

#ኣብቲ ዳግማይ ምጻኣት ግን ክርስቶስ ብዘፍርህ ግርማ ብመላእክቲ ተዓጂቡ ንሓጥኣን ክፈርድ ከም ዝመጽ ክንፈልጥ ኣለና።

*ኣድጊ ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝተሓተትን ዝተነዓቀትን እያ።እዚ ማለት ከኣ እቶም ብመንፈስ ርእሶም ኣትሒቶም ናብ ኣምላክ ዝጥምቱ መሕደሪ ኣምላክ ከም ዝኮኑ፥ኮምኡ ውን ንጎይታ ዝበቅዕ እቲ ከም ኣድጊ ትሑትን ንኣጎልጉሎት ክሳብ መወዳእታ ዝጸንዕ እዩ።

*ቀጺሉ ነታ ኣድጊ ፈቲሖም ክወስድዋ ኮለዉ ናበይ ትወስድዋ ኣለኩም ከም ዝተበሃሉ፡ከምቲ ክርስቶስ ዝኣዘዘም ከኣ “ጎይታ” ደሊዋ በልዎ።ጎይታ መበሊኡ ንሱ ናይ ኩሉ ፈጣሪ ሙካኑ ገለጸሎም።

*ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሊም ክኣቱ ከሎ ኩሎም ህዝቢ ክዳውንቶም እና ኣንጸፉ፡ካብ ኣእዋም ጨንፈር እና ሰልዑ እዚ ሕጂ ንጥቀመሉ ስየ ማለት እዩ። ብከምዚ መቀበሊኦም ኖን ንስካ እታ ዝተሰቀልካያ ኣድጊ ከማን መሬት ኣይትረግጽን እያ ማለት እዩ።

*ኣቤት እዞም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ንኣድጊ ክንድዚ ክብሪ ዝሃቡ፡ነታ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ዝወለደቶ ፡ብሑቅፋ ሓቂፋ እና ኣጥበወት ዘዕበየቶ ቅድስተ ቅዱሳን ወላዲት ኣምላክ ክንደይ ክብሪ ምሃብዋ።

*ኣብት ሰዓት ግን ዓቢይ ክትዕ ኮይኑ ኔሩ። +(ሉቃ19፥39)እቶም ደቂ መዛሙርቱ ኮነ ህጻናት ሆሳእና ንወዲ ዳዊት እና በሉ ክዝምሩ ከመስግኑ ከለዉ።

*እቶም ኣብ ማእከል ኣይሁድ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያን ከኣ “መምህር”ንደቂ መዛሙርትካ ገስጾም በልዎ።እዚ ማለት እቶም ህዝቦም ምስ ደቂ መዛሙርቱ ሓቢሮም ይዝምሩ ስለ ዝነበሩ።

*ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ “እዚኣቶም እኳ ሱቅ እንተ በሉ።እዞም ኣእማን ኪጭድሩ እዮም ኢሉ ከም ዝመለሰሎም።ብርግጽ ፈጣሪኦም ስለ ዝኮነ ከም ዝጭድሩ ከም ዝገብር ነገሮም።

*እዚ ከኣ እቶም ምሁራት ኢና፡ፈጸምቲ ሕጊ ኦሪት ኢና በሃልቲ ልቦም ክድፈን ኮሎ።

*እቶም ንጹሃት ህጻናት ግን ሆሳእና በኣርያም እና በሉ ኣመስገኑ።

#ስለዚ ንሕና ውን ብንስሓ ተሓጺና ሆሳእና እናበልና ናብ እግዚኣብሄር ክንቀርብ ይግብኣና።ስለ ቃላቱ ዝተመስገነ ይኩን።

ርሑስ ሆሳእና ይግበረልና። ሰሙነ ሕማማት ብሰላም የፈጽመና። ናይ እግዚኣብሄር ምሕረት። ናይ ወላዲት ኣምላክ ኣማላድነት። ኣይፈለየና ኣሜን።

was this post useful and relevant to you? let us know leave a comment

{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.singularReviewCountLabel }}
{{ reviewsTotal }}{{ options.labels.pluralReviewCountLabel }}
{{ options.labels.newReviewButton }}
{{ userData.canReview.message }}

What you think about the church services, we appreciate your opinion means a lot for us, make your review now

Name *
Email *
Location *
Rating *
Your comment *

Eritrean St.mary coptic tewahdo orthodox church Oslo Norway

This website uses cookies to ensure you get the best experience on our website.